ርክብን ስራሕ ክፍፍልን ሰለስተ ፀረ ግእዝ ኣብ ኣስመራ
- ገዛ እንዳባንዳ
- ገዛ እንዳከንሻ
- ገዛ እንዳባሻወል
መሰረት ናይ ሰለስቲአን ካብ ዓድዋ (ትግራይ) ዝብገስ ጉጅለ እንትኸውን ፈለማ ብጥልያንን ካልኦት ናይ ሚስዮናዊያን ከም በዓል ሉተራዊያን እንግሊዝን ስዊድንን ዝተመልመሉን ዝተሓፀቡን እዮም ናይ ሰለስቲአን ቐንዲ መሳሰይቲ።
እቱ ዘራኽበን ቐንዲ ዕላማ ድማ ግእዝ ዝተብሃለ ናይ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ልሳንን ናይ ፅሑፍን ከመይ ክጠፍእን ብትግርኛ ዝብል ክትካእን ከም ዘለዎ ፣ እቱ ጥንታዊ ናይ ፀሊም ህዝቢ ስልጣነ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ከመይ ብናይ ሕሶት ተረኽ ክቕየርን ክሕከኽን ከም ዘለዎ፣ ታሪኽን ባህልን ህዝቢ ምድሪ ግእዝ ከመይ ክብረዝን ብናይ ባዕዲ ባህልን ታሪኽን ክዕብለልን ክስዓርን ከም ዘለዎ ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ እቱ ናይ ግእዝ ፊደል ይኹን ፍልስፍና ብካልኦት ክስረቕን ክውረርን ናይ ምግባር ዝብሉን ካልኦትን ይርከቡዎ።
እምበኣር እዙ ጉጅለ ፀረ ግእዝ እዙይ ዝተውሃቦ ናይ ባዕዲ ተልእኾ ከፈፅም እንተኾይኑ ስልጠናታት ክወሃቦ ይግባእ ነይሩ። ብምዃኑ ድማ እዙ ካብ ዓድዋ (ትግራይ) ዝብገስ ቐንዲ መሳርሒ ባዕዳዊ ሓይሊታት እናተመልመለ ናብ ወፃኢ ዓድታት ናይ ትምህርቲ ዕድላት (special scholarship) እናተውሃቦ ንባህልን ታሪኽን ፣ እምነትን ስነልቦናን ፣ ስነፅሑፍን ስነጥበብን ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብሔረ ኣግዓዚ (ምድርን ህዝብን ግእዝ) ዝብርዙ፣ ዘራኽሱን ዘቆናብፁን ናይ ሕሶት ተረኻትን ብድዐታትን ተሓፂቡ ናብ ስራሕ ክኣቱ እዩ ዝግበር ነይሩን ሕዚ እውን ዝቕፅል ዘሎን። ካብቶም ንትምህርቲ ኢሎም ናብ ባዕዳዊ ሓይልታት ዝተወሰዱ ንኣብነት ንምጥቃስ ደብተራ ፍስሃ ግዮርጊስ ብቐዳምነት ዝስራዕ ይርከቦም። ካልኣይ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብረመድህን ፣ ሳልሳይ ገብረሂወት ባይከዳኝ፣ ራብዓይ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ሓሙሻይ ኢሳያስ ኣፈወርቅ፣ ሻድሻይ ስብሓት (ወልደስላሴ) ነጋ እቶም ቐንዲ ይርከቡዎም። እዞም ሰባት ኩሎም ሰለስቲአን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ፀረ ግእዝ መስርሓት ዘማልኡ እዮም። ገዛ እንዳባንዳ፣ እንዳከንሻን እንዳባሻወልን እዮም። ኹሎም ድማ መበቆሎም ዓድዋ (ትግራይ) ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።
እዞም ሓይልታት እዚኦም ኩሉ ተግባራቶም አንፃር ንቡርን ምዕሩይን ናይ ብሔረ ኣግዓዚ (ምድርን ህዝብን ግእዝ) እዩ። ንምንታይ ዝብል ሕቶ ክለዓል ድማ ግድን ይኸውን። ብቐንዱ ናይ ግእዝ ፊደል ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ መትከል ክሕዙ እዩ ተገይሩ። ብላቲን ንኽቕየርን ግእዝ ዝብል ካብ ማህደርን መስርሕን ተፋሒቑ ክጠፍእን ኣለዎ ዝብል ሓያል መርገፂ ክሕዙ ተገይሩ ኣብ ፅዕፁዕ ስራሕቲ ተሰማርዮም ይረባረቡ ኣለው። ሓደ ኣብነት ንምቕራብ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ግእዝ ዝብሃል ፊደል ናይ ወራርን ባዕዳዊ ገዛእን እዩ፣ ናትኩም ኣይኾነን ብዝብል ንሓያሎ ህዝብታት ኣስሪፆም ካብ ግእዝ ፊደል ምጥቃም ናብ ላቲን ፊደል ምጥቃም ክሸጋገሩ ገይሮም ይርከብ። ቕድሚ 1983 ዓመተ ግእዝ ብላቲን ዘይፅሕፉ ዝነበሩ ተጠቀምቲ ግእዝ ፊደል ከም ናይ ሕዚ ኦሮሞ፣ ዓፋር፣ ሶማልያ፣ ሲዳማ፣ ወላይታ፣ ከምባታ፣ ሃድያ፣ ናራ፣ ሳሆ ወዘተ ብላቲን ክጥቀሙ ፀረ ግእዝ ፊደል ክሰርሑ ገይሮሙዎም ይርከቡ። ብካልኣይ ደረጃ ድማ ሊቃውንቲ ግእዝ እናጨወዩ፣ እናኣሰሩ፣ እናቐተሉን. እናቐንፀሉን ንልዕሊ 100 ዓመት ይቕፅሉ ኣለው። ብዙሓት ናይ ተዋህዶ ቤቴክርስትያን ሊቃውንቲ ግእዝ፣ ባሕታዊያን ፣ መሓረማዊያን፣ ፈላስፋታት፣ መሃዝትን ተመራማርትን፣ ተሓለቕትን ዓቃባዊያንን ባህልን ታሪኽን ግእዝ (ምድርን ህዝብን ግእዝ) ብሰላሕታዊ መንገዲ ክውገዱን ክቕንፀሉን እናገበሩ እዮም ንኣስታት 200 ዓመታት ዘሊቖም ። ኣብ ገዳማትን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያናትን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክቡራትን ሓቃዊ ታሪኽን ስርዓትን ብሔረ ኣግዓዚ ሒዞም ንኣሽሓት ዓመታት ዝዘለቑ መፃሕፍቲ ግእዝ ክስረቑን ክቃፀሉን ዝከኣሎም ኹሉ ዝገብሩ ዘለው እዞም ሰለስተ ሓይልታት ምዃኖም መፅናዕትን ምርመራን መርበብ ሓበሬታን ስለላን ውድብ ብሔረ ኣግኣዚ / Agaezi National Union Party/ የረጋግፅ። ዝተፈላለዩ ናይ ጥንቲ መፃሕፍቲ (ከም ወንጌል ኣባገሪማ፣ መፅሓፈ ሄኖክ፣ ፍልስፍና ዘርኣያቆብ፣ ዜማን መዝሙርን ቅዱስ ያሬድ ኮኮበ ኣግዓዚ፣ መፅሓፈ ደቂቀ እስጢፋኖስ ኮኮበ ኣግዓዚ፣ ፅዮናዊነት፣ ምሕደራ ፊደራሊዝም፣ መፅሓፈ ቕመማ (መድሓኒት)፣ መፅሓፈ ምርምር ህዋን ዐደትን መሬት ፣ ወርሕን ፀሓይን)፣ ወዘተ ኣዝዮም ሙጡቓትን ረዘንትን ፅሑፋት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ተወሪሮም እዮም። ንኣብነት ካብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ቤተክርስትያናትን ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 200,000 መፃሕፍቲ ካብ መቕደላ ቤተ ንባብ በእንግሊዝ ተወሪሮም እዮም። ምስእዞም መፃሕፍቲ ብዙሓት ካብ ወርቂ ዝተሰርሑ መስቀላት፣ ሳናቲምን ካልኦት ኣዝዮም ክቡራት ሓድግታትን ተወሪሮም ተወሲዶም እዮም።
ብተወሳኺ እዞም ሓይልታት እዚኦም ንቱ እምነት ተዋህዶ ከም ናይ ድሕረትን ድንቁርናን ክረአን ክንዓቕን ፣ ንቱ ጥበብን ቴክኖሎጅን ድማ ከም ኣንጠረኛ፣ ጠቢብ፣ ቡዳ ወዘተ እናተብሃለ ክግለልን ካብ ስራሕቱ ደው ክብልን ብዝግባእ ሰሪሖሙሉን ጎስጒሶሙሉን እዮም። ብዝግባእ ተሳኺዑሎም እውን እዩ። ከመይሲ እቲ ዝነበረ ብልሕን ጥበብን ናይ ቴክኖሎጂ ኣብ ምድሪ ግእዝ ኣብ ማሕረሻ፣ ምሳርን ፋስን ምስራሕ ጥራሕ ተደሪኹ ክተርፍን ዝነበሮ ጥበብን ክእለትን ድማ ብባዕዳዊ ሓይልታት ክውረርን ተገይሩ ይርከብ።
እዞም ሰለስተ ሓይልታት እዚኦም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብቲ ምቕርማት ናይ ኣፍሪቃ ዋዕላ በርሊን (1884/5) ዝተበገሰ ዕላማታትን ተግባራትን መሳሰይቲ ብምዃን ይቕር ዘየብል ሓያሎ ግፍዕታትን ክሕደታትን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ምድርን ግእዝ ዝፈፀሙ ምዃኖም ኣዝዩ ሰፊሕ መርትዖታት ይርከብ። ንኣብነት ንምስዮናዊያን ብምቕባል ካብ እምነት ተዋህዶ ናብ ከንሻ ሉተራዊያን ተቐይሮም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኸቢድ ገበናት ፈፂሞም እዮም። ንባዕዳዊያን ሓይልታት እናስተርጎሙ ፣ እናመርሑን እናሰለሉን ምድርን ህዝብን ግእዝ ብባዕዳዊያን ሓይልታት ክትውረርን ክትድብደብን ኣበርቲዖም ሰሪሖምን ሕዚ እውን ኣብ ምስራሕ ይርከቡን።
ኣብዙይ ክርሳዕ ዘይግበኦ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ድማ ንቱ ፈላማይ ናይ ዓለምና ዝኾነ ፊደል ግእዝ ኣያ ዘይብሉ ብቕራይ ክጠፍእን ክድምሰስን ዓሊሞም ሽሙ ናብ ልሳነ ትግራይ ፀኒሖም ድማ ትግርኛ ዝብል ብምቕያር ነበረያነበረ ኾይኑ ክተርፍ ዝከኣሎም ኹሉ ኣብ ምግባር ይርከቡ። እዙይ ንምፍፃም ብደብተራ ፍስሃ ግዮርጊስ ዝምራሕ ናይ ዓድዋ ከንሻ ጉጅለ ብምፅዋዕ ገይሩ ናብ ስዊድን ጥልያን ክጎዓዝ ብምግባር ሓያሎ ስልጠናታት ክወስድ ብምግባር ንቱ ናይ ተዋህዶ ልሳን ዝኾነ ግእዝ ብልሳነ ትግራይ (ዓድዋ ሓሓይለ) ክንትክኦ ኣለና ፣ ቐስብቐስ ድማ ኩሽ ብዝብል ናብ ላቲን ብምቕያር ግእዝ ፊደል ነበረያነበረ ብምግባር ንቱ ናይ 3000-5000 ዓመታት ታሪኽ ህዝብን ምድርን ግእዝ (ብሔረ ኣግዓዚ) ዝሓዘ ብራናታትን ሓወልቲታትን ድማ ብምቕፃልን ብምፍራስን ክነጥፍኦ ንኽእል ዝብል መትከል ሒዞም ይረባረቡ ኣለው ይብል መፅናዕትን ምርመራን ትካል ሓበሬታን ስለላን ውብኣ ( GIA) ኣብ ዘዳለዎ ፅሑፍ። ናይዙይ ኣብነት ዝኾነና ድማ ስብሓት ነጋ ኣብ መድያ ቐሪቡ ንኦርቶዶክስን ኣምሓራን ሕቖኦም ሰይርናዮም ዝበሎ እንትኸውን ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ እውን እንተኾነ ኣብቲ ናይ 17 ዓመታት ሕድሕድ ኲናት ከም ህወሓት ኣብ ልዕሊ ትካላትን ሊቃውንት ግእዝ ተዋህዶ ቤቴክርስትያን ዝፍፅሙዎ ዝነበሩ ግፍዕታትን ቕንፀላታትን ኣቐሚጡዎ ይርከብ። እዙ ብከንሻ እንዳዋዕሮ ገብረመድህን ደስታን ሃለቃ ፀጋይ በርሀን ዝምራሕ ዝነበረ ሕዚ እውን ብተጋደላይ ሰረቀ ብርሃን ዝምራሕ ዝርከብ ጉጅለ ተሃድሶ ከንሻ ቐንዲ ዕላማኡን ልእኽቶኡን ተዋህዶ መሲልካ ተዋህዶ ምፍራስን ምጥፋእን ዝብል ምዄኑ መፅናዕትን ምርመራን ውብኣ ይሕብር።


