እንታይነት ግእዝን ብሄረ ኣጋእዝን ፣ ንምንታይ ሓድሽ ውድብ ብሄረእዚ?
ግእዚዝም- ብሄረ ኣጋእዚ (Agaezi Nationalism) ዕምቆትን ስፍሓትን ዘለዎ ንነዊሕ ዘመናት ዝፀነሐ ሃገራዊ /ብሄራዊ ስነ ሓሰብ እዩ። ናይ ሕክምና፣ ፍልስፍና፣ ሒሳብ/ፊዚክስ/ኬሚስትሪ ፣ኣስትሮኖሚ፣ ሕጊ፣ ቑጠባ/ኢኮኖሚ፣ ባህልን ስነ ጥበብን፣ ሙዚቃ /ዜማ፣ ቋንቋን ስነፅሑፍን፣ ማሕበራዊ ህይወት፣ ቴክኖሎጂ፣ ቕርፃቕርፂ፣ ንግዲ፣ ስርዓተ መንግስትነት/ ምሕደራ፣ ትካላዊነት፣ ውዳበ/ምድርጃው፣ ኲናት፣ ፀጥታ፣ ባሕረኝነት፣ ዴፕሎማሲ፣ ሰብኣዊነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ናይ ዓለምና ዓበይቲ ስነ ሓሳባትን ብቕዓታትን ምንጪ /መበገሲ እዩ ግእዚዝም ምባል ስሕተት ኣይኮነን።
ሐዚ ንሕና ከም ትውልዲ ካብዙ ከምዙይ ዝበለ ስነ ሓሳብ ወፂና /መንገድና ስሒትና ናብ ኮሚኒዝም፣ ዓረቢዝም፣ ላቲንዝም ክንወድቕ፣ ንዓርስና ክነጥፍእ ወሲና? ብግዲ ዶ ብፍቓድና? ብግዲ እንተኾይኑ ብኸመይ ናብ ናይ ባዕልና መንነት፣ ስነሓሳብን ምዕባለን ንምለስ ዝብሉ ወሰንቲ ሕቶታት ክንምልሶም ይግባእ።
ኣብዙይ ኩሉና ክንስማዕመዐሉ ዝግባእ ጉዳይ እንተሎ ኣብ ዝተሰሓሓተ መንገዲ ከም ዘለና ንባዕልና ናብ ረግረግ/ሕማም ክንጥሕል ፈቒድና ከም ዘለና እዩ።
- ንዓርስኻ ምኽሓድ/ምስሓት ድማ ዓብይ ሕማም እዩ። ስነኣእምሮኣዊን ስነ ልቦናውን ሕማም ። ንዓርስኻ እንድሕር ትፀልእ ባዕልኻ ዕድመኻ ተሕፅር። ኣነ ግእዝ ዘይኮንኩስ ማርክስ፣ ሌኒን፣ ኮሚኒዝምስት;. ዓረባዊነት እየ፣ ፊደለይ እውን ግእዝ ዘይኮነስ ላቲን/ዓረብ እዩ ምባል እንተጀሚርካ ባዕልኻ ገመድ ናብ ክሳድካ ከም ዘእተኻ ንፁር እዩ።
- ግእዚዝም (Geezism) ዋና ዓንዲ ሕቖኡ (Core value) ሓቋፋይነትን ተስፋሕፋሓይነትን እዩ። ሰብኣዊነት (ዕቑባ)፣ ነፃነት፣ ፍልስፍናን ፈጠራን፣ ስነ ሕግን ስነመንግስትን፣ ምዕባለን ሰላምን ስነ ምግባራትን ባህርያትን ብሄረ ግእዝ እዮም። ኣብ ውድድር ዝኣምን ስልጡን ፖለቲካዊ ስነሓሳብ እዩ።
- ኮሚኒዝም ግን ቆላፊ (ዓፋኒ) ወይድማ ብጥርናፈ ዝኣምን ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ነፃነትን ዝጥሕስ ህልም ዝበለ ናይ ባዕዳዊ ኣተሓሳስባን ደልሃመትን እዩ።
- ዘላቒ መፍትሒ ህዝቢ ትግራይ ንምምፃእ ፈለማ ቀንድን፣ምንጭን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ምፍላጥ የድሊ።
- ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ/ቢሀረ ኣግኣዚ ካብተን 4 ዓበይቲ ስልጣነታት(civilization)ዝውንና ዝነበራ ማለት’ውን Persian civilization, China civilization, British civilization እቲ ሓደ ግኑን ስለጣነ ዝነበሮ ስለጣነ ኣኽሱም(Akum civilization)እዩ።
- እምባኣር’ከስ ህዝቢ ትግራይ/ቢሀረ ኣግኣዚ ካብዚ ዝላዓለ ብራኸ ናይ ስልጣነ ናብ ዝኸፍአ ውድቀትን፣ጥፍኣትን ዘብፀሖ እንታይ እዩ ኢልካ..ምሕሳብ ግዴታ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ እዩ።መበገሲ ስልጣነ ህዝቢ ግእዝ ‘ንግዲ’ ከምዝኾነ ታሪኽ ብመረዳእታ ይሕብረና እዩ።
- ህዝቢ ትግራይ ናይ ባሕሪ ህዝቢ ከም ምኻኑ መጠን ብወደብ ኣዲሉስ ኣቢሉ ሓያል ዓለም ለኻዊ(International)ንግዲ የሳልጥ ዝነበረ ህዝቢ እዩ።ናብ ብዙሕ ዝርዝራት ከይኣተና ድማ እቲ ሓደ ምኽንያት ውድቀት ስልጣነ ኣክሱም ካብቲ ፅዕፁዕ ምንጪ ኢኮኖሚኡ ዝኾነ ንግዲ ቀስ ብቐስ እናተዳኸመን፣እናተነፀለን ምምፃኡ እዩ።
- ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኣኽሱማውያን/ቢሀረ ኣግኣዚ ብቐንዱ ንኽዳኸም ዝገበሮ ድማ ኣብ መወዳእታ 6ይ ክ/ዘበን ኣቢሉ ምስ ዝመፀ ሃይማኖት እስልምና ተተሓሒዙ እቶም መናግድቱ ዝነበሩ ህዝብታት ናብ ኲናትን፣ቀውስን ብምጥሓሎም ከምዝኾነ ታሪኽ የመላኽተና እዩ። ከምኡ’ውን ‘ቢሀረ ኣግኣዚ’ ኣቦታትና ሃይማኖት ክርስትና ዝተቐበልሉ እዋን ስለዝነበረ ኩሉ ነገር ዓራት ብዓራት ኣይነበረን።
- ከምዝፍለጥ..ህዝቢ ትግራይ/ቢሀረ ኣግኣዚ ኣብ መፈለምታ 3ይ ክ/ዘበን ብንጉስ ኢዛና ሃይማኖት ክርስትና ከምዝተቐበለ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ታሪኽ ሰነዳት ተቐመጡ ንረኽቦ ኢና። እምባኣር’ከስ..ምስ ሃይማኖት ክርስትና ምቕባልና ተተሓሒዙ ብዙሓት ኣንፃራዊ ካሊእ ሃይማኖት ተኸተልትን፣ ዘይኣመንትን ሓይልታት ንኣቦታትና(ኣግኣዝያን) ከሳድድዎምን፣ ክዋግእወምን ዝጠፍአ ሓይልና ንውድቀትና እቲ ካሊእ ሓደጋ ኮይኑ ንዘበናት ቀፂሉ እዩ።
- ኣብ መወዳእታ 10ይ ክ/ዘበን ድማ ብተወላዲት ፈላሻ ‘ዩዲት ጉዲት’ ኣቢሉ ስልጣነ ኣኽሱም ወዲቑ። ስለዝኾነ ድማ ኣቦታትና/ቢሀረ ኣግኣዚ ናብ ስልጣኖምን፣ልዕልነቶምን ንኽምለሱ ብዙሕ ፈተነታትን፣ቃልስን ይገብሩ’ኳ እንተነበሩ..ሽግር ህዝቢ ትግራይ ግን ንኣስታት 1000 ዓመታት ዘቕፀረ ኣብ ፅባሕ ውድቀት ስልጣነ ኣኽሱም’ዩ ዝጅምር !!
- ድሕሪ ውድቀት ስልጣነ ኣኽሱም ንረኽቦ Zagwe Dynasty(ላሊበላ)እዩ።ላሊበላ እቲ ዝነበረ ኬፍተት ተጠቒሙ’ኳ ስልጣን ካብ ኣኽሱም ናብ ዓዱ ላስታ(ኣገው)ክወስድ ዕድል እንተረኸበ..እቶም ጥቢባን ኣቦታትና ‘ቢሀረ ኣግኣዚ’ ግን ጠቕሊሉሎም ካብ ስልጣኖም ዝተባተኽሉ እዋን ኣይነበረን።
- ከም ውፅኢቱ ድማ ‘ውቑር እምኒ’ ላሊበላ ዝተሃነፀ’ውን ብኣቦታትና ኣኽሱማውያን ‘ቢሀረ ኣግኣዚ’ እዩ። ተወላዲ ኣገው ዝኾነ ንጉስ ላሊበላ(ገብረ መስቀል ላሊበላ)ምስቲ ውድቀት ኣኽሱማውያን ተታሒዙ፣ነቲ ክፍተት ተጠቒሙ ንግስነት ክሕዝ ዕድል እንተረኸበ’ውን እቲ ካብ እምኒ ተፈልፊሉ ዝተሃነፀ ውቕሪ ላሊበላ ግን ዋንነት ወለድና ኣኽሱማውያን ከምዝኾነ ንምርዳእ ብዙሕ ምርምር ከየድለካ ምስ ቅርፅን፣ኣሰራርሓን ሓወልቲ ኣኽሱም ብምንፅፃር ብቐሊሉ ምፍላጥን፣ምርዳእን ይካኣል እዩ።
- ኣብ ‘ሓወልቲ ኣኽሱም’ ዘለዉ ቅርፅታትን፣ሰልትታን ኣሰራርሓ ከም ዘለዎ ኣብ ‘ውቕሪ እምኒ ላሊበላ’ ኣሎ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን..’ላስታ ኣገው’ ቅድሚ ላሊበላ ዝኾነ ናይ ውቕሪ እምኒ ይኹን ሓወልቲ ወይ’ውን ካሊእ ናይ ምስራሕ ስልጣነን፣ልምድን ሃልይዎም ኣይፈልጥን።
- ‘ህዝቢ ግእዝ’ ግን ኣኽሱም ይኹን ላሊበላ ናይ መወዳእታ ናይ ስልጣነና መርኣያ’በር ናይ ምፈለምታ(መጀመርያና)ኣይኮነን።ካብ ባዶ (ዜሮ) ተላዒልካ ብዘይ ዝኾነ መበገሲ ‘ላሊበላ’ ክትሃንፅ ድማ ብፍፁም ካብ ሓቂ ዝራሐቐ ጠቕላላ ዘይሕሰብ እዩ።
- ቢሀረ ኣግኣዚ(ግእዛውያን)ኣቦታትና ግን ሓወልቲ ኣኽሱም ወይ ላሊበላ ክሃንፁን፣ክሰርሑን ዘኽኣሎም መቐፀልታ እቲ ናይ ብቕድመኡ ዝነበረ ስልጣነ ዳኣማት፣ኣዲሉስ፣መጠራ፣መዝብር፣ ጉለምኻዳ ወዘተ እዩ።
- ብዛዕባ ስልጣነን፣ውድቀትን ‘ቢሀረ ኣግኣዚ’ ቁንጣሮ እዙይ ካብ በልና..ንምንታይ ናብ ስልጣናን፣ልዕልነትናን ክንምለስ ከምዘይካኣልናን፣ከምዝተፀገምናን ድማ ካብቲ ብዙሕ ወለድና ዝበፅሖም ተፃቦኦታት ብውሑዱ ንርአ..! ድሕሪ ውድቀት ስልጣነ ኣኽሱም ብፍላይ ድማ ድሕሪ 13 ክ/ዘበን ማለት’ውን..ወለድና ‘ቢሀረ ኣግኣዚ’ ናብ ስልጣነኦምን፣ብራኸኦምን ክምለሱ፣ካብ ዝወደቕዎ ክትስኡ ብዙሕ ፃዕሪ እናከየዱ ንዘበናት ቀፂሎም እዮም።
- ‘ቢሀረ ኣግኣዚ'(ኣግኣዝያን)ናብ ክብሮምን፣ስልጣነኦምን ንምምላስ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዘይተሓለለ ፃዕሪ..እቲ ሓደ ቀንዲ ከም ማዕፆ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሎሚ’ውን ዝቕፅል ዘሎ ‘ብግብፃውያን'(Coptic)ተደሪሱ ‘ብሽዋውያን’ ዝተተወነ “ሰሎምናዊ ሰርወ ንግስነት” ዝብል ፅውፅዋይ ከምዝኾነ ግን ብዝግባእ ክንርደኦን፣ክንፈልጦን ይግባእ።
- ኣብ መፈለምታ መፈለምታ 13 ክ/ዘበን ብሃይማኖት ጉልባብ ፖለትካ ዝሰብኽ ዝነበረ ‘ተኽላሃይማኖት’ ዝተብሃለ ፈላሲ ናይ ‘ሰለሙናዊ ሰርወ ነገስት'(ክብረ ነገስት) ዝባሃል ፅውፅዋይ ቀንዲ ተዋሳኢ እዩ። ‘ተኽላሃይማኖት’ ብናይ ቤተክርስትያን መገልገሊ(ፈላሲ)ዝፍለጥ ኮይኑ..ግን ድማ ምስ ‘ይኩኖ ኣምላኽ'(ንጉስ ይኩኖ ኣምላኽ) ብምሽራኽ ብሽም ሃይማኖት ናይ ፖለትካ ኣክቲቭስት ዝነበረ ሰብ እዩ።
- እዙይ ድማ እስካዕ ሎሚ ዘሎ..ፅቡቕ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል ብሽም ሃይማኖት ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ሎሚ ፖለትከኛ ‘ድያቆን ዳንኤል ክብረት እዩ። ነዚ ኣብ 13 ክ/ዘበን ብተክላሃይማኖትን፣ይኩኖኣምላኽን ዝተፈፀመ ብሽም ሃይማኖት ናይ ፖለትካ ሸፈጥ ፅቡቕ ክትገልፅ ትኽእል ሓንቲ ናይ ታሪኽ ሰነድ እስቲ..ንርአ ! መንግስቲ ኣኽሱም ኣብ መበል 10ይ ክ/ዘበን ምስ ወደቐ መረበቱ ኣብ ‘ላስታ’ ዝገበረ መንግስቲ ‘ኣገው’ ክሳብ 1270 ዓ/ም/ፈ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።
- ‘ኣባ ኢየሱስ ሞኣ’ ኣብ ደሴት ሃይቅ ናይ ዝርከብ ቅዱስ እስጢፋኖስ ገዳም ኣብ ‘ምኔት’ ኣብዝነበረሉ እዋን..ይኩኖ ኣምላኽ ዝተብሃለ ወዲ ሰሜን ሽዋ ኣብቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ገዳም ይማሃር ከምዝነበረ’ዩ ታሪኽ ዝነግረና።ኮይኑ’ውን ሓደ እዋን ‘አባ ተክለሃይማኖት’ ዝተብሃለ ፈላሲ ኣብ ደሴት ሃይቅ ናይ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ቅዱስ እስጢፋኖስ ገዳም ከይዱ ምስ ‘ይኩኖ ኣምላኽ’ ተመኻኸረ።
- ሽዑ ‘ኣባ ተኽላሃይማኖት ‘ንኣባ እየሱስ ሞዓ’ ዘቕረበሉ ሕቶ ድማ እዚ ይኩን ኣምላኽ ዝተብሃለ ቆልዓ ካብ ‘ቀዳማዊ ምንሊክ’ እዩ ዝውለድ፣ እዚ ቦታ ድማ ንላስታ ቀረባ ከም ምኻኑ መጠን እንተተፈሊጡ ተታሒዙ ክእሰር ስለዝኽእል ኣነ “ናብ ሽዋ ሒዘዮ ክኸይድ ይፈቐደለይ” ዝብል ነበረ።’ኣባ እየሱስ ሞኣ’ እንተኽነ’ውን ኣይዓንቀፀን።”ደስ ይብለኒ ይውሰድዎ” ኢሉ’ዩ ፍቐድሉ።ብኡ መሰረት ድማ ካብቲ ገዳም ኣውፂኡ ሒዝዎ ናብ ሰሜን ሽዋ ተመለሰ። ‘ኣባ ተክላሃይማኖት’ ኣብ ሰሜን ሽዋ ካብ ዝኣተወላ ዕለት ኣትሒዙ እዚ ‘ይኩኖ ኣምላኽ’ ዝተብሃለ ወዲ ሰሜን ሽዋ ካብ ‘ቀዳማዊ ምንሊኽ’ ንጉስ ኣኽሱም እዩ ዝውለድ።
- ስለዝኾነ ንሱ እዩ ክነግስ ዘለዎ።መንግስትነት ኣብ ኢድ ‘ነገደ ዛጉዌ’ ክኣቱ ግቡእ ኣይኮነን..እናበለ ምስባኽ ጀመረ። ከምኡ’ውን ናብቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ናይ ላስታ ንጉስ ዝነበረ ‘ነኣኩተ ለኣብ’ ቀሪቡ ግቡእ ብዘይኮነ መንገዲ ኢኹም መንግስትነት ሒዝኩም ዘለኹም እሞ..ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተመረፀ ሰብ ‘ንይኩኖ ኣምላኽ’ ልቐቕሉ ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ። መኳንንቲ ሽዋ እውን በቲ ናይ ኣባ ተክላሃይማኖት ስብከት ተማሪኾም ኣብ ልዕሊ ይኩኖ ኣምላኽ እምነት ከሕድሩ ጀመሩ።
- ይኩኖ ኣምላኽ’ውን ነገራት ናበይ የብሉ ከምዘለዉ ምስተዓዘበ..ናይ ብሓቂ ናብ መንግስትነት እንተ ኣብቂዕኹምኒ ኣነ ድማ ናይ ኣቦኹም ናይ ‘ኣዛርያስ’ ሊቀ ካሃናትነት ክምልሰልኩም እየ” ኢሉ ንተክላሃይማኖት ተማፃበዐሉ።/ህሩይ ወልደስላሴ 1999፣ 35/። ‘ነገደ ዛግዌ’ ካብ እግዝኣብሄር ፍቓድ ወፃኢ’ዮም ኣብ ኢትዮጵያ ነጊሶም ዘለዉ..ዝብል ስብከት ኣባ ተክላሃይማኖት ኣብ ሽዋ ጥራሕ ተሓፂሩ ዘይተረፈ ኣብ ከሎም ከባብታት እንተዛዋወረ ከምዝሰበኸ’ዩ ታሪኽ ዝሕብረና።ስለዝኾነ ድማ ‘ይኩኖ ኣምላኽ’ ኣባ ተክላሃይማኖት ብዝገበረሉ ስብከትን ሃይማኖታዊ ጉልባብን ምኽንያት ናይ ምስጋና ዕድል ረኸበ።’ኣባ ተክላሃይማኖት”ውን ዓፅመ ፃምኡ ኣይሳኣነን። እጭገ /ሕፁይ ጳጳስ/ ዝብል መዓርግን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሲሶ መሬትን ተቐበለ።
- ንግስቲ ሳባ/ማክዳ ኣብ 900 ዓ/ዓ ዝነበረት ኮይና..እዚ ትረኻ’ዚ ግን ብ13 ክ/ዘበን ይዝንቶ ምህላዉ ድማ ክንደየናይ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ካሊእ ገፅ እዩ።
- ኣብ መንጎ 900 ዓ/ዓን፣13 ክ/ዘበንን ልዕሊ 2000 ዓመታት ኣፈላላይ ኣሎ።ኣብ መፅሐፍ ቁዱስ’ውን እንተኾነ ንግስቲ ሳባ ናብ እስራኤል ከምዝገሸት’በር ምንሊኽ ዝባሃል ከምዝወለደት ኣይሕብርን።
- እዚ ብሃይማኖት ጉልባብ ዝተፈብረኸ ፖለትካዊ ሽርሒ እቲ ንህዝብና ሓኒቑ ንዘበናት ዝዘለቐ፣ብወግዒ እስካዕ ‘ንጉስ ሃይለስላሴ’ ዝነበረ ሎሚ’ውን ዝቕፅል ዘሎ..ንጥፍኣት ‘ቢሀረ ኣግኣዚ’ ዝዓለመ ኣዝዩ ሓደገኛ ትረኻን፣ተግባርን እዩ።
- ብሰንኪ እዚ ብጉልባብ ሃይማኖት ዝተፈብረኸ ትረኻን፣ሰበኻን እቶም ብቐፃሊ ናብ ስልጣነኦምን፣ልዕልነቶምን ንምምላስ ዝፅዕሩን፣ዘማዕድውን ዝነበሩ ኣቦታትና ኣደናጊርዎም እዩ።
- እቶም ካብ ‘ዛግዌ’ ናብ ‘ሽዋ’ ስልጣን ንምውሳድ..ነዚ ድራማ ዝደረሱን፣ዝተዋስኡን ሽዋውያን ግን ተሳኺዕሎም ጥራሕ ዘይኮነስ..እስካዕ ሎሚ’ውን ይቕፅልን፣ይጥቀምሉን፣የታልሉሉን ኣለዉ።
- ብዙይ መሰረት ድማ “ውድብ ቢሀረ ኣግኣዚ” ካብቶም ሓደን፣ኣውራን ምንጪ ፀገምና፣ናብ ስልጣነና ከይንምለስ ዓጊቱ ዝሓዘናን ታሪኽና ብብምዝባዑ’ዩ ኢሉ ይኣምን።ንዙይ ድማ “ውድብ ቢሀረ ኣግኣዚ” ኣበርቲዑን፣ኣጠናኺሩን ክሰርሐሉ እዩ።
- ካብዙይ ቀፂልና ንረኽቦ እቲ ኣብ 15 ክ/ዘበን ዝነበረ ምንቅስቓስ ሊቃውንቲ ወለድና ‘ደቂቀ እስጢፋኖስ’ እዮም።ደቂቀ እስጢፋኖስ ነቲ ብጉልባብ ሃይማኖት ንህዝብና ሓኒቑ ሒዙ ዝነበረ ድሕረትን፣ማሕለኻን..ነቒሖምን፣በጢሶምን ዝወፁ እስካዕ ሎሚ መዳርግቲ ዘይተረኸበሎም ሊቃውንቲ ኣቦታትና እዮም።
- ታሪኻዊ ምንቅስቓስ ‘ደቂቀ እስጢፋኖስ’ ካብ 1406-1478 ዓ/ም ዝነበረ እዩ። መሰረታዊ ዕላማን፣ምንቅስቓስን ደቂቀ እስጢፋኖስ ነቲ ብሽዋውያንን፣ግብፃውያን ዝተበረዘ ሃይማኖትን፣ታሪኽን፣ስ-ልቦናን “ቢሀረ ኣግኣዚ” ምምላስን፣ምዕቃብን እዩ።
- እቲ ቁንዕ ሃይማኖትናን፣ታሪኽናን፣ስነ-ልቦናን መሊስና/ኣቕኒዕና ማለት ድማ..ብቐጥታ ናብቲ ንሃርፎ ስለጣነ ንምለስ ኣለና ማለት እዩ። ‘ውድብ ቢሀረ ኣግኣዚ’ውን ነዚ ንዘበናት ዝተኾለፈ ስልጣነና ክንምልስ ኤንድሕር ኮይና..ነቲ ዝተዛብዐ ታሪኽና ክንመርምርን፣ክንዕቅብን ይግባእ ዝብል ፅኑዕ መረገፂ ዘለዎ።
- ‘ደቂቀ እስጢፋኖስ’ በቲ ዘሳልጥዎ ዝነበሩ ኣብ ጭብጥን፣መርተዖን ዝተመርኮሰ ሓቀኛ ሃይማኖታውን፣ማሕበራውን ምንቅስቓስ ካሊእ ማሕለኻን፣ተፃብኦን ገጠሞ።
- ምንቅስቓስ ደቂቀ እስጢፋኖስ ካብ ‘ንጉስ ይሳቕ’ ማለት’ውን ካብ 1406 ዓ/ም ዝጀመረ ኮይኑ..ሓያል መቕተልትን፣ግፍዕን ዝበፅሖም ግን በቲ ‘ዘርኣ ያቆብ’ ዝተብሃለ ካብ 1424-1460 ዓ/ም እዩ።
- ናይ ኣቦታትና ‘ደቂቀ እስጢፋኖስ’ ኣስተምህሮን፣ትሕዝቶ ሓሳብን ብዙሕ’ኳ እንተኾነ እቲ ናብ ማሕረድትን፣መቕተልትን ዘብፀሖም ግን ንሓደ ፈጣሪ’በር ንኑጉስ(ንሰብ)ኣይንሰግድን ዝብል..ፍፁም ‘ግእዛዊ’ ስነ-ልቦና ዝተላበሰ መርገፂኦም እዩ።
- ደቂቀ እስጢፋኖስ..ናይ ቀዳሞት ወለዶም ‘ቢሀረ ኣግኣዚ’ ታሪኽን ኣኽሱማዊ ቅኑዕ ሃይማኖትን ብዝግባእ ዝመርመሩን፣ዝተረድኡን ሊቃውንቲ እዮም።
- ይኹን ድኣ’በር በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ‘ዘርኣ ያቆብ’ ዝተብሃለ ሽዋዊ ንጉስ እንተዘይሰገድኩምለይ፣እንተዘይኣምለኽኩምኒ ብዝብል ድሑር ኣመለኻኽታ ንወለድና ደቂቀ እስጢፋኖስ መልሓሶም ተቖሪፁ፣ቆርበቶም ተቐንጢጡ፣ገፆም ተጠቢሑ..ፈቐዶ ኣፃድፍን፣በረኻን ክሽንደዉ ተገይሮም ተቐቲሎም እዮም።
- ብድሕሪ መቕተልትን፣ጥፍኣትን ደቂቀ እስጢፋኖስ ድማ ናብ ቁልቁለት ዘበነ መሳፍንቲ ወሪድና።
- ስለዚ ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ናብ ስልጣነና ንኽምለስ ንገብሮም ዝነበርና ፃዕርታት ብዙሓት ዘጋጠሙናን፣ዝዓገቱናን፣ዝኾለፉናን ዝርዝር ማሕለተኻታት እኳ እንተሃለዉ..ብቐንዱ ግን ካብቲ ልዕል ኢልና ዝራኣኖዮ ናይ 13 ክ/ዘበን ብኻልኣይ ደረጃ እቲ ብ15 ክ/ዘበን ዝነበረ ናይ ደቂቀ እስጢፋኖስ ምንቅስቓስ ዓብዪ ዝተኾለፈ ናይ ነጥቢ መቕይሮ እዩ።
- ስለዙይ ቓልስና ንሓቋፊትን ተስፋሕፋሒትን ሃገረ ብሄረ ኣጋእዚ ምስ ቐይሕ ባሕራ ክኸውን ይግባእ። ልሳና ግእዝ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ግእዝ ድማ ቐይሕ ባሕሩ ናቱ እምበር ናይ ጥልያን ፕሮጀክት ኤርትራ ሓማሴን ዝብሃል Latin ኣይኮነን።
- ቀይሕ ባሕሪ ዘይብላ ትግራይ ማለት ወዲ ሰብ ብዘይ መግብን ማይን ክነብር ይክእል ኢልካ ምእማን ማለት ኢዩ። ስለዙይ ንውድብ ብሄረ ኣጋእዚ (Agaezi National Union Party) ኹሉ ትግራዋይ ብሄረ ኣጋእዚ ክዓስሎ ይግባእ።
- ባሕሪ ምህላው ብጣዕሚ ጠቓሚ እዩ ፣ ንሕና እውን ብደንቢ ንሰማማዕ ብምባል ብኸመይ ክምለስ ይክእል ኢልኩም ንዝሓተትኩሙና ሓፃር መልሲ:- ኤርትራ ሕዚ ከም ሃገር ክትፅዋዕ ዘኽእላ ዋላሓንቲ ቕርፀ ሰውነት የብላን። ካብ ፈለማ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ 30 ዓመት ናይ ሓደ ሽፍታ ኢሳያስ ግሊ ንብረት ጥራሕ እያ። ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ከ ይቕበለና ዶ ንዝብል ተቕርቡዎ ዘለኹም ሕቶ፣ በቃ ሕዚ እኮ ባዕሉ ሻዕብያ ነቲ ላዕላውነት ጥሒሱ ወሪሩና ኣሎ።
- ስለዙይ እቲ ዓለም ለኸ ሕጊ ትብሉዎ ዘለኹም ባዕሉ ኣፍሪሱዎ ኣሎ። ብስሩ ሕዚ ናይ ሓይሊ እምበር ናይ ሕጊ ጉዳይ ኣይኮነን። ክፍለጥ ዘለዎ ዓብይ ጉዳይ ድማ መጀመርያኡ እውን ንሃገር ዝነበረት ኣክሱም (ብሄረ ኣጋእዚ) ናብ ክልል ኣውሪድካ ዘይነበረ ናይ ጥልያን ፕሮጀክት ሃገር ምግባር ምንም ሕጋውነት ኣይነበሮን፣ ብዝፈረሰ ውዕሊ ገይሮም እዞም ሸፋቱ ህወሓት ንህዝብና ከይፍቀዱ ሸይጦሙሉ እምበር።
- መንእሰይ ትግራይ ንቓሕ፣ ንዘላቒ ረብሓ እኻ እምበር ንሸፋቱ ጉጅለ ህወሓት ከይትስዋእ። እዞም ሸፋቱ ሸየጥቲ ባሕርን ዓድን ብዝፈረሰ ውዕሊ እዮም ናብ ዝኹሉ ሓሳረ መከራ ኣእትዮሙና።
- ጥልያን ብ1928 ዓ/ም ንሕጊ ማሕበረሰብ ዓለም ጥሒሱ ነታ ላዕላዊት ሃገር ኣባል ሊግ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ዓድና ወሪሩ እዩ። ብዙይ መሰረት ድማ ቕድሚ እዙ 1928 ዝነበሩ ኹሎም ውዕላት ባዕሉ ጥልያን ኣፍሪሱዎም እዩ።
- ስለዙይ ትግራዋይ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ከይትሽወድ ዓለም ለኸ ሕጊ ዝብሃል የለን። ዝቐርብ እንተሎ ድማ ኣብ ኢድና ዝርከብ ጭብጢ ናይ ታሪኽ፣ ሕጊ፣ ቕርስታትን ሓድግታትን ገይርና ክንስዕሮ እምበር ናይ ጥልያን ፕሮጀክት ክስዕረና ኣይኽእልን። ስለዙይ ብዘይምንም ምውልዋል ኤርትራ ዝብሃል ሃገር የለን። ንፅባሕ እውን ኣይክህሉን። ኣብዙይ ምንም ከይትጠራጠር።
- ቕድሚ ስልጣነ አክሱም ፣ ዓጋመ ደኣማንት ከም ዝነበረ ኣብ ኣዱሊስ ተፃሒፉ ኣሎ።እዚ ጥንታዊ መፀውዒና ንምንታይ ናብ ኣውራጃ ከም ተውርዱዎ ኣይርደአናን፣ እቲ ምምላስ ባሕሪ ድማ ንኹላትና ረብሓ እዩ!
- ብሄረ ኣጋእዚ ሃይማኖታዊ እምነት ወይድማ ዓሌታዊነት ኣይኮነን። ሰፊሕን ዓሚቕን ትሕዝቶ ታሪኽ፣ ስልጣነ፣ ፍልስፍና፣ ስነቕርፂ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምርምር ወዘተ ዝሓዘ ስርዓተ መንግስትነት እዩ።
- ህዝቢ ግእዝ ማለት ንዘመናት ካብ ውሉድ ወለዶ እናተሸጋገረ ዝፀንሐ ናይ ባዕሉ ሓበራዊ ቋንቋ፣ ፊደል፣ መንነት፣ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ስነ ልቦና፣ ስርዓተ ክብርታትን ሓበራዊ ግእዝኣት መሬትን ዘለውዎ ህዝቢ እዩ።
- ትማሊ ብሸፋቱ ሳሕልን ደደቢትን ሻዕብያን ማሌሊትን ዝተፈጠረ ህዝቢ ኣይኮነን። ብሄር ማለት ጎሳ ወይድማ ቐቢላ ማለት ዘይኮነስ ከምዚ ብሄረ ኣጋእዚ ዝበለ ሓቋፋይን ተስፋሕፋሓይን ናይ ረብሓ ፖለቲካዊ ፍልስፍና፣ ስነሓሳባውን ተግባራውን ናይ መንነታዊ ሃገር ማለት እዩ።
- ብሄር ዝብሃል ብጣዕሚ ውሁድን ትካላውን ስርዓተ መንግስትነት ዝውንን ፣ ብሕጊ/ቑዋም ዝመሓደር ህዝቢ እዩ።
- ብዓለም ለኻዊ ሕግታት (International law) ብሄር (Nation) ማለት ምስ ላዕላዊነት መንግስቲ (Sovereign State) ዝተሓሓዝ እዩ። ዓለም ላኻዊ ዝብሃል ሕጊ ግን ኣሎ ዶ? ብመን ዝፀደቐ፣ መን ዘተግብሮ፣ ንመን ረብሓ ዝብሉ ሕቶታት ክነልዕል ግድን ይኸውን።
- ከመይሲ ሓደ ኣውሮፓዊ ወራሪ ሓይሊ ንረብሓኡ ክብል ናብ ኣፍሪቃ መፅዩ ዝሓንፀፀልካ ዶብ ተሸኪምካ እንድሕር ትነብርን ፣ ሕድሕድካ እናተናቖርካ ክትነብር ትሓልም እንተሃሊኻ ወይ ድማ ንምንታይ ኢልካ ዘይትካታዕንን ዘይትመራመርን እንድሕር ኾይንኻ ሰብ ዘይኮንካስ ባርያ እኻ ክትከውን ።
- ምኽንያቱ ሓደ ኣውሮፓዊ ወራሪ ናብ መረበትካ መፅዩ ዝውስነልካ መን እዩ ንሱ ኢልካ ክትሓትትን ንቱ ናቱ ውሳነ አንፃር ረብሓኻ እንተኾይኑ ክተፍርሶን ክትግደድን ክትሰርሕን ይግባእ እምበር ኣሜን ኢልካ ክትቕበሎ ግቡእ ኣይኮነን ።
- ኣፍሪስካ ንህዝብኻ ብዝረብሕ መልክዕ ፣ብፍላይ ድማ ቕድሚ ናብቲ ወራሪ ኣውሮፓዊ ምምፅኡ ዝነበረ ምዕሩይ ምሕደራኻን ግዝኣታዊ ሓድነትካን ክትምለስ ግድን እዩ።
- ስለዙይ ንናይ ጥልያን ኤርትራ ላዕላውነት ኣይደራደርን ዝብለና ዘሎ ሽፍታ መላፍንቲ ሻዕብያ ማሌሊት ብምጉሓፍ ዘላቒ ረብሓናን ህዝባዊ ምዕባለናን ክነረጋግፅ ይግባእ ንብል።
- ሞት ንባንዳታት ትንሳኤ ብንጉሰ ነገስት ብሄረ ኣጋእዚ ሃፀይ ዮሃንስ ኢልና ክንለዓል ንፅውዕ።
- ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪካ ካብቶም ብሔረ ኮይኑ ደው ዝበለ ምስ ልሳኑ ፡ታሪኩ፡ፊደሉ ፡ባህሉ ብፍላይ ናይ ባዕሉ ፊደል ዘለዉ እዚ ብሔረ-ኣግኣዚ ዝባሃል ካብቶም ጥንታዊያን ሰብ ስልጣነ ባሕራዊያን ዝኮነ ህዝቢ እዩ።
- ብዘይ ብሔረ-ኣግኣዚ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ብሔር ተባሂሉ ዝጽዋዕን ናይ ብሔር -ረቃሒ ዘማልእ የለን ።እቶም ካልኦት ዓሌት ዝሓስቡ እምበር ብሃገር ዝሓስብሉ ምዕባለ(ስልጣነ ) ኣይበጽሑን እዚ ኩሎም ብሔር ተባሂሎም ዘለዉ ትርጉም ብሔርን ታርክ ብሔርን ፍጹም ኣይፈልጥዎን እዮም።
- ቋንቋን ስነ ሓሳብን ዓረባዊነት እንትስፋሕፋሕ ንምንታይ ስልጣነን ቋንቋን ብሄረ ኣጋእዚ (ግእዝ) እናጠፍአን እናዓነወን ኸይዱ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ።
- ቐንዲ መሰረት ውድቐት ብሄረ ኣጋእዚ ምስፍሕፋሕ ዓረባዊነት እዩ። ውድቀት ስልጣነ ኣክሱም ብወረርቲ ዓረባዊነት እዩ ዝጅምር። ብፍላይ ኣብ 13ክ/ዘመን ብጣዕሚ ሓያልን ዓሚቕን መሰረት ዓረባዊነት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት እውን ናትና ብሄረ ኣጋእዚ ዝነበረሉ ግዝኣት ዝተፈጠረሉ እዋን እዩ።
- እዙ ስራሕ ምስፍሕፋሕ ዓረባዊነት ዝተፈጠረ ብስልትን ብብልሕን ሚሽነሪታትን ነጋዶን እዩ ነይሩ። ናይ ጨው፣ ስኒ ሓርማዝ፣ ባርያ ንግዲ፣ ወርቂ፣ ሽኮር፣ ክዳውንቲ፣ ሌዘር ቖርበት፣ ቐለበት ወዘተ ብምጥቓም ነጋዶ ስነሓሳብ ዓረባዊነት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ከይተረፈ ክስፋሕፋሕ ተሰሪሑ እዩ።
- ንኣብነት ብዓል ማሊ ዝበላ ሃገራት ብ11 ክ/ዘመን ስነ ሓሳብ ዓረባዊነት ቕድሚ ምቕባለን ናይ ንግዲ ልውውጥ የካይዳ ነይረን። ብግመል ዝግበር ንግዲ ምልውዋጥ ዓረባዊነት ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓብይ ግደ ተፃዊቱ እዩ።
- ንኣብነት ኣብ መትሮፖሊታን ሚዝየም ዝተቐመጡ ፅሑፋት ከም ዝሕብሩዎ ኣብ 8ይን 9ይን ክ/ዘመን ዓረብ ነጋዶን ተጓዓዝትን ፣ ምሽነሪታትን ብቐርኒ ኣፍሪቃ ገይሮም ዓረባዊነት (ብእስልምና እምነት) ምኽንያት ብምግባር ንኽስፍሕፋሕን ክብርታት ብሄረ ኣጋእዚ ክፃባእን ከም ዝኸኣለ ይሕብሩ።
- ብፍላይ ሱዳን (land of black) ቐንዲ መዋፈሪት ምስፍሕፋሕ ዓረባዊነት ኾይና ከም ዘገልገለት ይሕበር። እቶም ናይ መጀመርያ ዓረባዊነት ዝተቐበሉ ነጋዶ ሱዳናዊያን ምዃኖም እውን ታሪኻት ይሕብሩ። ቐፂሎም ድማ ውሑዳት ጋናዊያን (11ክ/ዘመን) ከምኡ ድማ ነጋዶ ማላዊያን (13 ክ/ዘመን) እዮም ንስነሓሳብ ዓረባዊነት ዝተቐበሉ።
- እቱ ቐንዲ መሳርሒ ምስፍሕፋሕ ዓረባዊነት እስልምና ምምሃር ዝብል እንትኸውን መስጊዳት ምስፍሕፋሕ ከም ዋና ማእኸል ትምህርቲ ስነሓሳብ ዓረባዊነት መስፋሕፍሒ ይሰርሐሉ ከም ዝነበረ መዛግብቱ ይሕብሩ።
- ትምህርቲ ዓረባዊነት ካብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ናብ ማእኸል ኣፍሪቃ ዝተስፋሕፈሐን መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ዓረብነት ዝተቐየራሉን እምብኣር ካብ 11ክ/ዘመን ጀሚሩ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።
- ኣብ ማሊ ስልጣነ ቲምቢክቱ እቶም ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም ካብ ሱዳን ዝኸዱ ዓረባዊነት ዝተቐበሉ ምንባሮም እውን ይዝረብ እዩ። ብዝኾነ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሰሜን፣ ማእኸላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ስነ ሓሳብ ዓረባዊነት ብዓብዩ ይቕፅል ከም ዘሎ ይፍለጥ።
- ባርያ ንግዲ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ከም በዓል ሞውሪታንያ ዝበላ ሃገራት እቶም ዓረብ እና ዝብሉ ነቶም ደቂ ዓዲ ከም ባርያ እዮም ዝፃወቱሎም።
- ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ሕብረት እተን ዝበዝሓ ስነ ሓሳብ ዓረባዊነት ዝኽተላ ሃገራት ምስ ዓረብ ሊግ (ማእኸላይ ምብራቕ) ዝስብሰባን ካብ ግእዝ ፊደል ዓረብ ፊደል ክስፋሕፋሕ ዝሰርሓን ብዕላማን ብትልምን ምዃኑ ንግንዘብ ውሑዳት እና ምባል ይከኣል።
- ሕዚ እቲ ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ፍልልይ እውን ካብዚ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዓረባዊነት ዝለዓልን ናይ ነዊሕ ዕላማ ምስፍሕፋሕ ዓረባዊነት ዘለዎን እዩ።
- ብእምነት ዝተሸፈነ ስለዝኾነ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ እዩ። African Muslim ዝብልን Arab Muslim ዝብልን ኣብ ኸቢድ ቕልውላው ዘሎ እውን ናይዙይ መግለፂ ኣብነት እዩ። ኣብዙይ ክንፈልጦ ዘለና ሓደ ዓብይ ጉዳይ ድማ ስዋህሊ ዝተብሃለ ቋንቋ ክፍጠር ዝተገበረ ናይ ዓረብ ቃላት ምስ ናይ ማሊ ባንቱ ቋንቋታት ብምሕዋስ እዩ።
- ብፍላይ ኣብ 16 ክ/ዘመን ኣብ ማሊ ዝነበሩ ሙሁራት ኮይኖም ዓረባዊነት ዝተቐበሉ ሱዳናዊያን ንቶም ማሊ ካብ ባርያ ንግዲ ሓራ ንኽወፁ ብእምነት እስልምና ኣምሲሎም ናብ ዓረባዊነት ይቕይሩዎም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
- ብዙሓት ብፍላይ ካብ ቓላይ ቻድ ናብ መድትሪያንያን ዝሽየጡ ዝነበሩ ባሮት ዓረባዊነት እንተተቐቢሎም ካብ ምሻጥን ምልዋጥን ከም ዝድሕኑ ይግበር ነይሩ።
- ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓረብ ክፅሕፋን ክመሃራን ዝተገበረሉ ብቐንዱ ስልጣነን ቋንቋን ግእዝ ንምጥፋእ ከም ዝነበረ ብዙሓት ታሪኻት ይሕብሩ። እቲ ናይ ዓረባዊነት ስነሓሳብ ነቲ ንቡር ግዝኣትናን ክብርታትናን እናወሓጦ ቐፂሉ። ግእዝ ቋንቋ ክጠፍእን እቲ ኸባቢና ብዓረብ ቋንቋ ክጥቀምን ተገዲዱ።
- እዙይ ዝተገበረሉ ዋና መሳርሒ ብዓረብ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ከይትርጎም ብምኽልካልን ቐስብቐስ ክስፍሕፋሕ ብምግባርን እዩ ነይሩ። ስራሕ ዕድላት ምፍጣርን ካብ ግብሪ ነፃ ምግባርን እውን ከም መሳርሒ ዓረባዊነት ምንባሮም ይግለፅ።
- ቻይናዊያንን ባይዛንታይንን ምስ ገጠሙዎም ዓረባዊያን ዝዓረዱለን ዋና ከተማታት ደማስከስ፣ ባቅዳድ፣ ካይሮን ኮርዶባን እየን ነይረን። ኣብ 11ን 12ን ክ/ዘመን እውን ቱርኪ /ኦተማን ኢምፓየር ንዓረብ ወሪሮም ምንባሩ ይፍለጥ::
ዋንነትን ውሕስነትን ቐይሕ ባሕሪ?
ባሕሪ ዘይብሎም ቐይሕ ባሕሪ ክብሉ እናተጓየዩስ ንምንታይ እዩ ባሕሪ ነገስታትና ፣ ማእኸል ስልጣነና፣ ፍልፍል ቑጠባና፣ ሓይሊ ንግድናን ዲፕሎናስናን ዝኾነ ናይ ተፈጥሮን ሕጋውን ንብረትና፣ ርስትና ቐይሕ ባሕሪ ከይንምልሶ/ከይንውንኖ ኣንፃርና ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ዓድዋ ህወሓት ማሌሊት ዝብል ብዕምቆት ብምርማር ውብኣ መፍትሒ ኣቐሚጡሉ ኣሎ::
- ዕላማ ውብኣ/ውዳበ ቢሔረ ኣግኣዚ:- እዚ ሎሚ ትግራይ ዝባሃል ዘሎ “ህዝቢ ኣግኣዚ” ብኸመይ ዋናኒ ቀይሕ ባሕሩን፣ሙሉእ ምድራዊ ግዝኣቱን ይኸውን እዩ። ከምዝፍለጥ እቲ ዝበዝሕ ማለት’ውን ልዕሊ 10 ሚልየን ህዝቢ ቢሀረ ኣግኣዚ ኣብ’ዚ ሎሚ ትግራይ ዝባሃል ዘሎ እዩ።
- ግዝኣታዊ ሓድነትናን፣ቀይሕ ባሕርናን ውሑስ ዝኸውን ድማ እዚ ፅዑቕ ህዝቢ ቢሀረ ኣግኣዚ ምስ ዝቆፃፀሮ ጥራሕ እዩ። ውሕስነት ግዝኣታዊ ሓድነትናን፣ቀይሕ ባሕርናን ድማ ብቐንዱ ውሕስነት ህዝብና ኣብ ልዕሊ ምኻኑ..መፃኢ ዕጫና ዝውስን መሰረታዊ ነገር ምኻኑ ክስመረሉ ይግባእ።
- ኣብዚ ከይዲ’ዚ ዝተበተኑ ህዝብታት ቢሀረ ኣግኣዚ ኣብ ምእካብ ውብኣ ሰፊሕ ስራሕ ክሰርሕ እዩ።ኣብ ግዝኣት ቢሀረ ኢግኣዚ ዝነብሩ ኩሎም ኣህዛብ ምስ ድላዮምን፣ብድልየቶምን ዓይነት ምሕደራ ክመሓደሩ ሙሉእ መሰል ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ/ቢሀረ ኣግኣዚ ቀይሕ ባሕሪ ይኹን ካልእ ግዝኣታዊ ዋንነትና ምስ ኩሎም ህዝብታት ቢሀረ ኣግኣዚ ማዕረ ሓላፍነትን፣ብፅሒትን ኣለኒ ኢሉ ይኣምን።
- ምስ ህዝቢ ትግራይ/ቢሀረ ኣግኣዚ ናይ ሓባር ረብሓ፣ሓደ ዕጫ፣ሕሉፍ ታሪኽን ዘለዎም ከሎም ኣካላት ድማ ፈተውትን፣ስትራተጂካዊ ማሓዙትን ውብኣ እዮም። ብኣንፃራዊ ካብዚ ቅወም’ዚ ብዝተፈለየ..ህዝቢ ትግራይ/ቢሀረ ኣግኣዚ ባሕሪ ይኹን ካሊእ ግዝኣት ኣይምልከተካን ዝብል ዝኾነ ኣካል ድማ ውብኣ ህዝቡ ኣሰሊፉ እስካዕ መወዳእታ ክቃለሶን፣ክስዕሮን ምኻኑ ክነረጋግፅ ከለና ደስ እናበለና እዩ።
ቕድሚ ሃገር ምእዋጅና ባሕርና ክነምልስ ይግባእ ንብል ዘለና ንምንታይ ይመስለኩም?
- ሓደ ግዜ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ግዝኣትካ ተኸሊሉ (border demarcation) ሃገረ ትግራይ /ብሄረ ኣጋእዚ እንተተኻይዱ መሊስካ ባሕርና ክነምልስ ዝብል ክትዕ/ሓሳብ ንምልዓል ከቢድን ሕልኽልኽ ዝበለን ስለዝገብሮ
- እቱ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ዂናት ተወረርቲ ስለዝኾናን ኤርትራ ባዕላ ላዕላውነት ስለዘፍረሰቶን ብሓይልና ባሕርና ክንቆፃፀር ዓብይ ዕድል ስለዝህበናን ነቲ ቕድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ግዝኣትናን ባሕርናን ክነውሕስ ይጠቕመና
- እቲ ሃገር ዘግብር ወሳኒ ጉዳይ መሬትካን ግዝኣትካን ምውሓስ ስለዝኾነ መጀመርያ ግዝኣትናን መሬትናን ካብ ጫፍ ኣለውሃ ምላሽ ክሳብ ቐይሕ ባሕሪ ክንቆፃፀር ይግባእ ። መእተውን መውፅእን ባሕሪ ዘይብልካ ሃገር ምእዋጅ ዓርሰ ቕትለት እዩ።
- ድሕሪ ዂናት በቲ ሕገ መንግስቲ (ኣንቀፅ 39) መሰረት ሃገር ክንከውን ስለዘየፍቅደልና ባዕልና ብቕልፅምና ባሕርና ብምቁፅፃር ኢኮኖሚያዊ ዓቕምናን ኣብቲ ቐይሕ ባሕሪ ንፃወቶ ናይ ዓለም ዲፕሎማሲያዊ ቓልስን ምሕዝነትን ተጠቒምና ብዓል ኣሜሪካ ከይፈተዋ ባዕለን ሃገርነት ሕቶና ክቕበላ ምግባር ብውሑድ ዋጋን መስዋእትን ይከኣል እዩ ። ኣብዙይ ዓብይ ትኹረት ክትህቡሉ ዝግባእ እቲ ህወሓት ሕገ መንግስትና ናብ ንቡር ይመለስ እሞ ኣንቀፅ 39 ኣለና ብሕጋዊ መንገዲ ሃገረ ክንከውን ህዝብና ይውስን ዝብል ናይ ሕሶት ጎስጓስ እዩ። ህወሓት ብስሩ ንሃገረ ትግራይ ከም ዘይሰርሕ ዋላ ሓንቲ ጥርጥር ክሓድረኩም የብሉን። ነዙይ እዩ ላዕላውነት ኤርትራ ወይ ሞት ዝብለና ዘሎ። ባሕርና እንድሕር መሊስና ናብ ኣ/ኣ ዝኸይድ ትግራዋይ ስለዘይረኽቡ እዮም ብዕላማ ዝሰርሑልና ዘለው ። ከይንግራህ ንጠንቀቕ !
- እቲ ህዝብና ዝነበሮ ስልጣነ ኣብ ናይ ባሕሪ ንግድን ስልጣነን ዝተመስረተ ስለዝነበረ ነዙይ ናብ ተግባር ንምልዋጥ ነቶም ኤርትራዊያን ኣይኮናን ዝብሉ ዘለው ህዝቢ ኣካለጉዛይን ገለገለ ህዝቢ ስራየን ሓቒፍና ነቲ ባሕርና ክንቆፃፀሮን ናብ ረብሓና ክነውዕሎን ይግባእ። ድሓር ከም Defacto State ኾይንና ንዝተወሰነ ዓመት እንተፀናሕና ፀገም ኣይክህልዎን። እቲ ቐንዲ ቕልፅም ኢኮኖሚኻ ምሕባጥን ወታዳራዊ ዓቕምኻ ምዕባይን እዩ።
- ኣብዙይ ነቶም ላዕላውነት ኤርትራ ወይ ሞት ዝብሉና ዘለው እንዳ ህወሓት ናብ ኣስመራ ብምስዳድ ላዕላውነቶም ከቐፅሉ ምፍቃድ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን። ንሕና ንብል ዘለና ባሕርና ይግበአና እዩ ፣ ክንጥቀመሉ መሰልና እዩ እና ንብል ዘለና እምበር ኤርትራዊ ላዕላውነቱ ኣይንፈቅድን ኣይበልናን። ባሕርና ክንጥቀም ዝኽልክለና ኤርትራዊ ግን ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር ትሕቲ መሬት ክንቀብሮ ምዃና ንፁር ክኸውን ይግባእ