Manifesto

ማኒፌስቶ :-  ምምስራት ውድብ ብሄረ ኣጋእዚ (ውብኣ)

ዓለም-ለኸ መስራቲ ጉባኤ ውዳበ ብሔረ ኣጋኣዚ (ውብኣ) 15 ነሓሲ 2021 ዓ/ም/ፈ  እዩ ተኻይዱ። Agaezi National Union(ANU) party founding assembly on 15 August 2021.

ኣብቲ እዋን እዙይ መበገሲ / መልዓሊ ነጥብታትን ዓበይቲ ዓንድታትን ፣ ፖለቲካዊ ትንተና (Political Analysis) ፣ ራኢ (Vision) ፣ ተልእኾ (Mission) ፣ ፀጋታት (Values) ፣ ፖሊሲ (Policy) ፣ ስትራቴጂ (Strategy) ውዳበ ብሔረ ኣጋኣዚ (ውብኣ) ብዝርዝር ናብ ህዝቢ ቐሪቦም ምይይጥ/ዘተ ተኻይዱሎም እዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ክ/ዓለማት መስረቲ ኣባላት እውን ተሳቲፎም እዮም። ንኣብነት ካብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓ፣ ኣፍሪቃ፣ ኤሽያን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብቲ ዓለም ለኻዊ መስራቲ ጉባኤ ውብኣ ተረኺቦም ሓሳባቶምን ሕቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።

መልስን መብራህርህን ካብ መራሕቲ መድረኽ ተዋሂቡዎም ኩሎም ደቂ ብሔረ ኣጋእዚ ብልዑል ወነን ሞራልን ናብ ቓልሲ ከም ዝዋፈሩ ኣረጋጊፆም ሓሊፎም እዮም።
ራኢ (Vision) /ዓላማ ውድብ ብሄረ ኣጋእዚ (ውብኣ) ድማ  ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ማእኸል ናይዚ ኸባቢና ዝኾነት ምዕብልቲን ዲሞክራሲያዊትን ለዓላዊት ብሔረ-ኣጋኣዚ ምፍጣር እንትኸውን ህዝብና ኣዲሊስ፣ ኣክሱም፣ ላሊበላ ማእኸል ዝገበረት ተስፋሕፋሒትን ሓቋፊትን ዓባይ ሃገረ /ብሄረ ኣጋእዚ ምስ ቐይሕ ባሕራ ክውንን ምግባር እዩ።

ተልእኾታት ውድብ ብሄረ ኣጋእዚ

  • #ቕድሚ 30 ዓመት ዝነበረና ዋንነት ቐይሕ ባሕሪ ምምላስን ናብ ዘላቒ ረብሓና ምውዓልን
  • #ብቑጠባ፣ ንግዲን ኢንዲስትርን ዝማዕበለ ማሕበረሰብ ምፍጣር
  • ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዓለም ለኻዊ ተጠላብነት ዘለዎምን ተፅዕኖ ፈጠርትን ትካላት ምፍጣር
  • #ኣዲሊስ፣ ኣክሱምን ላሊበላን ማእኸል ዝገበረት ሓቋፊትን ተስፋሕፋሒትን ሃገረ /ብሄረ ኣጋእዚ ምስ ቐይሕ ባሕራ ንምውናንን ንምህናፅን ዝጠቕሙ ወሰንቲ ተግባራት ምፍፃም
  • #ዘላቒ ረብሓን ውሕስነትን ህዝቢ ቐዳምነት ሂብካ ምርብራብን ምትሕግጋዝን
  • #ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዝፃወር ህዝብን ሃገርን ምፍጣር
  • #ምስ ዘላቒ ረብሓን ውሕስነትን ህዝብና ዘቐድም ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ብሕብረትን ብጥምረትን ምስራሕ
  • #ግእዝ ፊደል ሓደ ካብቶም ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣፍልጦ ዝረኸቡ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ምግባር
  • #ዞባ ምብራቕ፣ ዞባ ምዕራብ፣ ዞባ ደቡብ፣ ዞባ ሰሜን፣ ዞባ ማእኸል ዝብሉ ዘይምዕሩይ ኣሽማት ብምዕሩይ ናይ ብሄረ ኣጋእዚ መፀውዒና ምቕያር ።
  • #ኮሚኒስት ዝተብሃለ ፀረ ባህሊ፣ እምነት፣ መንነትን ታሪኽን ብሄረ ኣጋእዚ (ትግራይ) ስነ ሓሳብን ተግባርን ብምስዓር ናብ ንቡር መንነትና፣ ግዝኣትና፣ ባሕርና፣ ባህልና፣ እምነትናን ታሪኽናን ምምላስ etc

ስለዙይ መናእሰይ ካብ ናይ ህወሓት፣ ብልፅግናን ሻዕብያን ስሉስ ሽርሕን ድሕረትን ወፂና ኣብዚ ትካል እዙይ ክንውደብ ይግባእ።

ውብኣ ዋሕስን ጠበቓን ህዝቢ ብሔረ ኣጋእዚ !!

ንሕና ከም ሓቀኛ ብሄራዊያን (Nationalist) ሓይልታትን ናይ መንነት ተቓለስትን ምስ ኮሚኒስት ኣብዮታዊ ፓርቲ ህወሓት ክንደራደር እንኽእል እዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ጉዳያት ህዝብና ትኹረት ክገብረሎምን ንተግባራዊነቶም ክንቀሳቐስን እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ።

  1. ንሃገር ዘይነበረ ፕሮጀክት ወራሪ ጥልያን ኤርትራዊነት ተሓላቒ ምዃን መሰረት ዘይብሉ ፀረ ዘላቒ ረብሓናን መንነትና፣ ፀረ ታሪኽናን ባህልናን፣ ፀረ ብሄራዊ ረብሓናን ፀረ ናይ ኣቦታትና ርስቲ ቐይሕ ባሕርናን ስለዝኾነ ክኽልሶ እንተኽኢሉን ዝፈረሰ ላዕላውነት ኤርትራ ገዲፉ ባሕርናን መሬትናን ናብ ንቡር ንምምላስ ድልዊ ምስ ዝኸውን።
  2.  ኣምሓራይ ጨቋናይ፣ ፀላኢና እናበለ ብኻሊእ ገፅ ድማ ንብሄር ይኹን ክልል ዘይነበረ ዓብይ ኣምሓራ ዝፈጠረ ህወሓት ብዕሊ /ብግልፂ ንህዝቢ ብሄረ ኣጋእዚ (ትግራይ) ይቕሬታ ብምሕታት ናብ ኣምሓራ ዝሸጦ መሬትና ክምልስ ዝቃለስ ምዃኑ እንተረጋጊፁ።
  3. መሬትናን ርስትናን ናብ ዘይነበረ ብሄረ ኮነ ክልል ዓፋር ምሻጡ ስሕተት ምንባሩ ብዕሊ ተቐቢሉ ንህዝብና ይቕሬታ ብምሕታት ናብ ንቡር ንኽምለስ ዝቃለስ ምዃኑ እንተድኣ ከረጋግፀልና ዝኽእል ኾይኑ።
  4. ማእኸል ፖለቲካል ኢኮኖሚ (ስርዓተ መንግስቲ) ከምቲ ኣቦና ንጉስ ሃፀይ ዮሃንስ ዝገበሩዎ ኣብ ምድርና ምድሪ ብሄረ ኣጋእዚ (ትግራይ) ክኸውን ዝቃለስ እንተኾይኑ።
  5. ብሄር ዘይኮኑ/ናይ ብሄር መለክዒ ዘይብሎም እናሰየመ/ብሄር እኹም እናበለ ምፅዋዕን ምጭብርባርን ገዲፉ ናብቲ ሓቀኛ ብሄረ ኣጋእዚ ክምለስ እንተኽኢሉን ንብሄርብሄርሰብ ተቓሊሰ፣ ኩሎም ብሄረ ብሄረሰብ ማዕረ እዮም እናበለ ዝፍፅሞ ክሕደት ገዲፉ ብዕሊ ይቕሬታ ሓቲቱ ናብቲ ሓቃዊ ብሄረ ኣጋእዚ ምስ ቐይሕ ባሕሩ ዝምለስ እንተኾይኑ።
  6. ሕገ መንግስቲ ዝብሃል ፀረ ህዝብናን ዘላቒ ረብሓናን ቐዲዱ ብምድርባይ ናይ ባዕልና ዝመስልን ዘርብሐናን ሓቋፋይን ኣሳታፋይን ሕገ መንግስቲ ክንፅሕፍን ክነጠናኽርን ፍቓፈኛ ዝኸውን እንተኾይኑ ።
  7. ክሳብ ሕዚ ብስም ህዝብና (ትእምትን ካልኦትን) ዝሰብሰቦ ንብረት፣ ገንዘብን ሃፍትን ናብ ህዝብና ዝምልስ እንተኾይኑ
  8. ሃገረ ዝነበረ ኣክሱም ኣዲሊስ ግእዝ (ብሄረ ኣጋእዚ) ኣፍሪሱ ካልእ ዘይነበራ ክልተ ሓደሽቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምስራሕ ዝኸዶ ዘሎ ፍሹል ምዃኑ ኣሚኑ ናብቲ ንሕና ከም ውዳበ ብሄረ ኣጋእዚ (ውብኣ) Agaezi National Union (ANU) ነካይዶ ዘለና ህዝባዊ፣ ፍትሓዊ፣ መንነታውን ሓቃውን ናይ ዘላቒ ረብሓን ውሕስነትን ቓልሲ ዝሕወስ እንተኾይኑ
  9. ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ፋሕ ኢሉ ዝተበታተነ ህዝብና ናብታ ቅድስቲ መሬቱ ተመሊሱ ብሰላም ሰሪሑ ዝነብረላ ክብርቲ፣ ፍትሓዊት፣ ምዕብልቲ፣ ዴሞክራሲያዊትን ተፈራሒትን ሃገረ ግእዝ (ብሄረ ኣጋእዚ ) ንምህናፅ ዘድሊ መስዋእቲ ንምኽፋል ዝስማዕማዕ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ካብዙይ ወፃኢ ንሕና ንጉጅለ ህወሓት ክንድግፍ ትፅቢት ምግባር ዘይመስል ሕልሚ እዩ። ንነፃን ፍትሓዊትን ሃገረ ግእዝ (ብሄረ ኣጋእዚ) ምስ ቐይሕ ባሕራ ዝግበር ቓልሲ ዕውት እዩ!

ካርታ ውዳበ ብሄረ ኣጋእዚ ምስ ናይ ህወሓት ካርታ እንትነፃፀር

  • ናትና ካርታ እዛ ጭላቖ ፣ ዝተቆራመመት ፣ መእተውን መውፅእን ዘይብላ ናይ ባንዳ መለስ ዜናዊ ስብሓት ነጋ ህወሓት ካርታ ከም ዘይኮነት ኹሉ ህዝቢ ብሄረ ኣጋእዚ ክግንዘብ ነተሓሳስብ። ናትና ናይ ብሄረ ኣጋእዚ ሕጋውን ተፈጥራውን ዶብና ኣላማጣ ኣይኮነን። ዛላንበሳ እውን ኣይኮነን። ዳንሻ፣ ራማ፣ ሑሞራ /ባድመ እውን ኣይኮነን። ዓሊተና ወይ ድማ ዳሉል እውን ኣይኮነን። ኣርሆ ወይ ድማ ላስታ እውን ኣይኮነን።
  • ስለዙይ ነዛ landlocked ጭላቖ ካርታ ተሸኪምኩም ትዞሩ ዘለኹም ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ውልቀሰባት ክትእረሙ ክነታሓሳስብ ይፈቐደልና። ናትና መሬትን ካርታን እንተነኣሰ ካብ ኣለውሃምላሽ፣ ላሊበላ ላስታ፣ ሊማሊሞ፣ መተመ ዮሃንስ ክሳብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ (ኣባይ ግድብ)፣ ወልቃይት ተሰነይ ሒዙ ኤርትራ ዝብሃል ዘሎ ሙሉእ ቐይሕ ባሕሪ ፣ ከምኡ እውን መሬት ዓጋመን እንደርታን ዝነበረ ሕዚ ዓፋር ክልል ዝብሃል ዘሎ ዘጠቓልል ምኻኑ ብንፁር ክፍለጥ ይግባእ።
  • ህወሓት ናብ ሃገረ ዘይነበረ ኤርትራ ዝሸጦ ህዝቢ፣ መሬትን ባሕርን ናብ ንቡር ክንምልሶ ምኻና ክፍለጥ ይግባእ። ንዘይነበረ ዓብይ ኣምሓራ ክፈጥር ኣብ ክልተ ዝመቐሎ መሬት ራያን መሬት ቴንቤንን ናብ ሓደ ብምጥቕላል ናብ ንቡር መሬት ብሄረ ኣጋእዚ ከም ንምልሶ ክፍለጥ ይግባእ። ዘይነበረ ዓፋር ክልል ንምፍጣር ኣብ ክልተ ዝመቐሎ መሬት ዓጋመን እንደርታን ናብ ንቡር መሬት ብሄረ ኣጋእዚ ከም ንምልሶ እውን ብንፁር ክፍለጥ ይግባእ።
  • መሬትን ህዝብን፣ ቐይሕ ባሕርን ስልጣነናን ናብ ንቡር ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኮሚኒዝም ምኽንያት ብሓይሊ ክድምሰስ ዝተፈረደሉ ስርዓተ ክብርታትና፣ ቕርስታትና፣ ታሪኽና፣ መንነትና፣ ባህልና፣ ቃንቋና ፣ እምነትና፣ ቑጠባና፣ ዲፕሎማሲናን ዕብየትናን እውን ናብ ንቡር ብሄረ ኣጋእዚ ብምምላስ ኣብ መላእ ዓለም ዝተበተነ ህዝብና ናብታ ቕድስቲ ምድሪ ብሄረ ኣጋእዚ ተመሊሱ ብሰላምን ብራህዋን ዝነብረላ ሃገረ ብሄረ ኣጋእዚ ተግባራዊት ክንገብራ ምኻና ዝኾነ ሰብ ክጠራጠር የብሉን።
  • እቲ ኸባቢና ድማ ልክዕ ከም ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን war free zone ከም ንገብሮ ክፍለጥ ይግባእ!! ምስ ውዳበ ብሄረ ኣጋእዚ ንቕድሚት !! Victory to the Agaezi National Union Political Party (ANU).

ፖሊሲ መሬት

  • መሬት ናይ ህዝቢ እዩ። መንግስቲ መሬት ህዝቢ ክወርር ኣይኽእልን። ስለዙይ ናይ ውዳበ ብሄረ ኣጋእዚ (Agaezi National Union) party መሬት ፖሊሲ ናይ ህዝቢ ዝብል እዩ። ህወሓት ግን መሬት ናይ መንግስቲ እዩ እናበለ ካብ ሓረስታይ እናመንጠለ ዝህፍትምን መሬት ዝሸይጥን በለፀኛ ነጋዳይ ጉጅለ ስለዝኾነ ከምዙይ ዝበለ ቑማር ከብቅዕ ይግባእ።

ፖሊሲ ሃይማኖት/ኣብያተ እምነታት

  • ናይ ውዳበ ብሄረ ኣጋእዚ መትከል ፖሊሲ ሃይማኖት/ኣብያተ እምነታት እዚ ዝስዕብ እዩ። 1)ናይ ሃይማኖት /እምነታት ማዕርነት ክረጋገፅ ይግባእ። 2)መንግስትን ሃይማኖት ትካላትን ክፍለይ ይግባእ 3)ኣብያተ እምነታትና ናይ መንፈሳዊያን መራሕቲ ክመርሑወን ይግባእ። ካድረታት /ናይ መንግስቲ ተወከልቲ /ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ ኣብያተ እምነታትና ኢዶም ከእትው የብሎምን። 4)በእምነት/ሃይማኖት ዝፍጠር ቕርሕንቲ ይኹን ዘይምርድዳእ ብናይ ኣብያተ እምነታት ካውንስል/ጉባኤ ይፍታሕ። 5)ኩሎም ሃይማኖታትን ኣብያተ እምነታትን ንስርዓተ ክብርታትን ስልጣነን ግእዝ፣ ፊደል ግእዝ፣ ሕግን ዘላቒ ብሄራዊ ረብሓ ብሄረ ኣጋእዝን ክሰርሓን ከኽብራን ይግባእ። 6)ካቶሊክ ናይ ላቲን ቋንቋ/ፊደል፣ እስላም ናይ ዓረብ ቋንቋ/ፊደል፣ ቤተ እስራኤል ጂዊሽ ናይ እብራይስጥ ቋንቋ/ፊደል ወዘተ ኣብ ምድረ ግእዝ ከስፋሕፍሑ ኣይፍቀድን። ብመጀመርያን ናይ ስራሕን ቋንቋ /ፊደልና ዝኾነ ዘመናዊ ግእዝ (ብስሕተት ናይ ሕዚ ትግርኛ) ንብሎ ክጥቀሙን ከዕብዩን ይግባእ። ምኽንያቱ ፊደል ማለት ባህሊ፣ መንነት፣ ረብሓ፣ ኢኮኖሚ፣ ደሕንነት፣ ስርዓትን ክብርን ህዝብናን ሃገርና እዩ። ናትና ገዲፍና ናይ ካልኦት ክነዕብን ክነስፋሕፍሕን ኣይከኣልን።

ሰንደቕ ዓላማ

  • ሰንደቕ ዓላማ ውዳበና ምስ ኮሚኒስት ዘተሓሕዝ የብሉን። ናትና ሰንደቕ ዓላማ ትርጉም ዘለዎ ናይ ብሄረ ኣጋእዚ እዩ።  ኣርባዕተ ሕብርታት ክህልዋኡ እየን።
  • ቐይሕ :-  ብደምና ዘላቒ ረብሓና፣  ግዝኣትናን ውሕስነትናን ነረጋግፅ።
  • ፃዕዳ :- ናይ ታሕጓስ /ደስታ መግለፂና (መርዓን) ካልኦት ጉዳያትን ነዘውትሮ
  • ሰማያዊ :- ባሕርና
  • ቖፃል :- ለምለም/ልምዓትና ዘመላኽቱ እዮም። እዞም ሕብርታት ብቕድሚ ኮሚኒስት ሓይልታት ኣቦታትና ዝጥቀሙሎም ምንባሮም ይፍለጥ።

ምሕደራ ፊደራላዊ ስርዓት

  • ድሕሪ መቓብር ክልተ ሸፋቱ ህግደፍን ህወሓትን ሃገረ ብሄረ ኣጋእዚ ምስ ቐይሕ ባሕራ ብፊደራላዊ ስርዓት ትምሓደር ክትከውን ከላ እዘን ዝስዕባ ምምሕዳራዊ መንግስታት /ባይቶታት ክህልውኣ እየን።
  • እዙይ ማለት ዘይንቡር ኣፀዋውዓ ደቡብ፣ ምብራቕ፣ ምዕራብ፣ ሰሜን ዝብሃሉ ፀረ ብሄረ ኣጋእዚ (against each local particularities & special interests) ይስረዙ እሞ ብንቡርን ምዕሩይን ኣፀዋውዓ ይትክኡ ኣለው ማለት እዩ።    1)  መንግስቲ ዓጋመ /State of Agame
    2)  መንግስቲ ኣካለጉዛይ/State of Akaleguzay
    3)  መንግስቲ ቴንቤን/State of Tenbien
    4)  መንግስቲ እንደርታ /State of Enderta
    5)  መንግስቲ ስራየ/State of Siraye
    6)  መንግስቲ ራያ/State of Raya
    7)  መንግስቲ ሽረ /State of Shire
    8)  መንግስቲ ኣክሱም /State of Aksum
    9)  መንግስቲ ዓድዋ /State of Adwa
    10)  መንግስቲ ሓማሴን /State of Hamassien
  • ሃገር ማለት ብሄር ማለት እዩ። ሃገርናን መንነትናን ድማ ብሄረ ኣጋእዚ እዩ።
  • እዚ ናይ መንግስትነት/ባይቶ ምሕደራ እምበር ኣብ ውሽጢ ሃገረ ብሄረ ኣጋእዚ 10 መንነት/ብሄር ኣሎ ማለት ከም ዘይኮነ ክስመረሉ ይግባእ።
  • ልክዕ ከምዚ ናይ ኣሜሪካ ኣፀዋውዓ State of New York, State of Minnosota, State of Colorado , State of California ወዘተ ናይ ቦታታት ምሕደራዊ /ባይቶኣዊ መፀውዒ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። State ማለት ምሕድራ እዩ።
  • ብሄር /ሃገር ማለት ኣይኮነን። ኣብ ኣሜሪካ 50 state ኣለዋ ማለት 50 ብሄር ኣብ ኣሜሪካ ኣሎ ማለት ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። ሕድሕድ መንግስቲ ነፃን ባዕሉ ዝኸኣለን ሓፋሽ ህዝቢ ባይቶ ብምምራፅ ክመሓደር እዩ።
  • መሰል ዓርሰ ምሕድራ (self governance) ክኽበር እዩ። ህዝቢ ዘይመረፆ በዓል ስልጣን፣ ሽሞኛ ወይ ድማ ተወካሊ ኣይክህሉን።
  • ቐጥታዊ (Direct & Pure Democracy) ብምኽታል ህዝቢ እዘን 10 መንግስታት ናይ ፊደራልን ናይ ብሕተንን ባይቶኣውን ላዕላዊ ስልጣን ክህልወን ክግበር እዩ።
  • ገለገለ ሰባት እቱ ቐይሕ ባሕሪ ብሄረ ኣጋእዚ ናይ ዓፋር እዩ ፣ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ትብሉ ኣለኹም።
  • መበገሲኹም ብዘይገድስ እቱ ሓቂ ክትፈልጡዎ ፣ ዓፋር ዘላን ሰበኽሳግም እምበር መሬት ይኹን ባሕሪ የብሉን/ኣመሓዲሩ እውን ኣይፈልጥን። እቲ መሬት ይኹን ባሕሪ ናይ ብሄረ ኣጋእዚ እዩ።
  • ናይ ህወሓትን ህግደፍን ድንቁርናን ድሕረትን ፣ ፀረ ብሄረ ኣጋእዚ ብላቲን ABCD …ዝፅሕፍ ናይ ሕሶት ዕዓፋር ብሄር ምፍጣሮምን እቲ ባሕርና ናብዚ ክልል እዙይ ምጥራሮምን ልክዕ ኣይኮነን ናብ ንቡሩ ክምለስ ግድን እዩ።
  • ብዝኾነ ውዳበ ብሄረ ኣጋእዚ (ውብኣ) ዝምርሐሉ ፊደራሊዝም ምስ መንግስቲ ፊደራል ስዊዘርላንድ ዝመሳሰል እዩ ክኸውን።
  • ስዊዘርላንድ 26 ነፃ ምምሕዳራዊ መንግስታት /Cantons ኣለዋኣ። ንሕና ድማ 10 ክህልዋና እየን።
  • ቐስብቐስ ዝውሰኻ እንተሃልየን ብሕደት ዝረአን ብህዝቢ ውሳነ ዕልባት ዝረክብን ይኸውን።
  • ስዊዘርላንድ እታ ዝሃፍተመት፣ ዝማዕበለትን ሰላም ዝዓሰላን ሃገር እንትትከውን ብስፍሓት መሬት ይኹን በዝሒ ህዝቢ ካብታ ዝተቆራረመት ፣ መእተውን መውፅእን ዘይብላ Landlocked ትግራይ ትንእስ ምዃና ይፍለጥ።
  • ብተፈጥሮ ሃፍቲ እውን ናትና ዝበልፅ እንትኸውን ውሕሉል ኣመራርሓን ህዝባዊ ስርዓትን ብምትካል ናብ ዘላቒ ረብሓ ህዝብና ከም ነውዕሎ ዋላ ሓንቲ ጥርጥር የልቦን።
  • ዓወት ንህዝቢ ብሄረ ኣጋእዚ ሞት ነዞም ክልተ ሸፋቱ ኮሚኒስት ፀረ ብሄረ ኣጋእዚ (ህግደፍን ህወሓትን)!!!
Scroll to Top