ስርዓት ዓድዋ

“ትግራዋይ ብሃፀይ ምኒሊክ ተጎዲኡ ተተባሂሉ ሓሶት እዩ። ባዕሉ ንባዕሉ ስኒት ስለ ዝሰኣነ ተበላሺዩ እምበይ።”
ወዲ ዓድዋ ገብረሂወት ባይከዳኝ 1916 ዓ.ም. ( ቅድሚ 101 ዓመት) ዝኣመነሉ ነጥቢ።
ስርዓት ዓድዋ ባንዳታት እዮም ንብል ብመፅናዕትን ምርመራውን ስለዝበፃሕናዮ እዩ። እዙ ዓድዋ ገብረህይወት ባይከዳኝ ከንሻ ፀረ ግእዝ ኣማኻሪ ምኒሊክ ምንባሩ ትፈልጡ ዶ? ልክዕ ከምዚ ናይሕዚ ንዕዘቦ ዘለና ባንዳነት ሸፋቱ ስርዓት ዓድዋ ማሌሊት እንዳዋዕሮ (ፈለማ እንዳዋርካ) ማለት እዩ። ህዝብን ምድርን ግእዝ ካብ ባንዳታት ስርዓት ዓድዋ ሓራ እንድሕር ዘይወፀ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝፀንትን ነበረያነበረ ከም ዝኸውንን ጥርጥር ኣይብሉን። ከመይሲ ልክዕ ድሕሪ ቕትለት ኣቦ ህዝብን ምድርን ግእዝ (ሓበሻ ብሔረ ኣግዓዚ) ሃፀይ ዮሃንስ እዞም ቶጓራት ስርዓት ዓድዋ ምስ ናይ ባዕዲ ወረርቲ ባንዳታት ተሓሽኪሮም ይፃወቱልና ኣለው። ንኣብነት ጀሪካን ፍስሃ ማንጁስ ስርዓት ዓድዋ ዝፍፅሞ ዘሎ ምስ ንዕዘብ ኣዝዩ የደንፁ። እቱ ዂናት ንምጅማር ምስ ደብረፅዮን፣ ኣርከበን ዓብይን ተማኺሩ ናብ ኣሜሪካ ተላኢኹ ምንባሩ ይዝከር። ቐፂሉ ብሱዳን ገይሩ ናብ ትግራይ ብምእታው ምስ ሱዳን ተሓባቢሩ ንሽረ ብሔረ ኣግዓዚ ሓራ ከውፅእ ዝተሰለፈ ሓይሊ TDF ደብረፅየን ኣይኣዘዘናን ብዝብል ደው አቢሉ ብጥምየትን ፅምኢ ማይን ኣብ ሓምዳይት ሰንሰን ኣቢሉ ክብተን ገይሩዎ። ቐፂሉ ንትግራይ ብምእታው ምስ ኣርከበ፣ ደብረፅዮንን ሞንጀሪኖን ተመሻጢሩ ንቱ ደሽረሲና ዝበፅሐ ሓይሊ TDF ሙሉእ ብሙሉእ ክውቃዕን ክፈርስን ገይሩዎ።
ድሕሩ ድማ ኣብ መላእ ትግራይ ሕቡኣት እስር ቤትን መቐንፀልን ብምኽፋት ንቶም ቐንዲ ቐንዲ ህዝባዊያን ሲኾኑ ኣባላት TDF ምቕንፃል ሀ ኢሉ ጀመሮ። ክንደይ ተጋደላይ ድማ ብፀልማት ክሕረድን ክስወርን ገይሩዎ። ብምቕፃል ናይ TDF ፀጥታ ሓላፊ እየ ብዝብል ንዛ ክልል ትግራይ ምስ ህግደፍን ብልፅግናን ተማቒሉዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኣድያቦ ሽረ ዝርከብ ዝለዓለ Quality ዘለዎ ወርቂ 24 ካራት ይወርርን ይድልብን ይርከብ። ሕደጉ ኢሎም ንዝተልዓሉ ደቂኣባት ኣድያቦ ሽረ ድማ ብኣልማሚት ብጥይት ረፍሪፉዎም እዩ።
 ሕዚ ኣብ ኩለን ከባብታትና ብሕቡእ ሰብ ዝቐትል ሓለዋ ወያነ (ስርዓት ዓድዋ ስብሓት ነጋ) ብምጥያሽ ንዙ ህዝብና እናፀልመተ ይሓርዶ ይርከብ። እዙይ ከይኸውን ንሕና ከም ውድብ ብሔረ ኣግኣዚ / Agaezi National Union Party/ ብዙሕ ፅዒርና እቱ ህዝብን መንእሰይን ግን ኣግዲዑና ንዞም ሓረድቱን መፅነቱን መሪፁ ይስሕና ኣሎ። ብዝኾነ ሕዚ እውን ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ ካብ ምንጋር ንድሕሪት ኣይንብልን። ህዝብና ብዘይምፍላጡ እናፀነተ ሱቕ ምባል ናትና ባህርን ስብእናን ዝፈቕዶ ኣይኮነን። ዝመረረ ይምረር፣ ህዝብና ክሳብ ዝርዳእ ክንቃለስን ፀላእቱ ክነግሮን ግድን እዩ። እቱ ናይ ኣድያቦ ሽረ ወርቅ ዝጉሕጓሕ ዘሎ ድማ ብስምምዕ ስሉስ ኲርናዕ ምኻኑ ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብፍቓድ ኣርከበ (ዓብይ) ብልፅግና፣ ብፍቃድ ፍስሃ ማንጁስ (ግምት =ህወሓት) ምስ ህግደፍ ብኣስመራ ናብ ዱባይ እዩ ዝጉሕጓሕ ዘሎ። ንቐፃሊ እውን ሰብ ከይነብረሉ ድማ ልዕሊ ናይ ጃፓን ኒክልየር ሓደገኛ መርዚ ይነዝሕሉ ኣለው። መን እንተልና ደቂ ዓድዋ ዝኾኑ ሸፋቱ ማሌሊት ህወሓት ምስ ናይ ባዕዲ ወረርቲ ሓይልታት እዩ መልሱ።
Scroll to Top