ቀዳማይ ምዕራፍ ምንቅስቓስ

#ውዳበ_ቢሔረ_ኣግኣዚ/Age’azi National Union Party ዕዉት ብዝኾነ መልክዑ እናተጠናቐ እዩ !

#ውብኣ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጎስጓሱ ከሳኸዖም ዝተለሞም ብቐንዱ ክልተ ዕላማታት እዮም።ንሳቶም ድማ:-

ሓደ: ህዝብና ኣብ ልዕሊ ናይ #ህወሓት ሰባት ዝነበሮ ርድኢት ምቕያር እንትኻውን..ካልኣይ: ህዝቢ ትግራይ/ቢሀረ ኣግኣዚ #ባሕሪ ወንነቱ ከምውኾነ ግንዛበ ክህልዎ ምግባር እዩ።

እዞም ክልተ ዕላማታት ይብዛሕ:ይውሓድ ሽቶኦም ወቒዕመ’ዮም ዝብል ገምጋም ኣለና።ከምዝፍለጥ..ኣብ ትግራይ ልዕሊ ፈጣሪ ናይ ህወሓት ሰባት ክምለኹን፣ክፍርሑን ክኢሎም እዮም።ንሕና ከም ‘ውዳበ ቢሀረ ኣግኣዚ’ ዝሓዝናዮ ቅዋም ናይ ህወሓት ሰባት ልዕሊ ፈጣሪ ክምለኹ ይትረፍ ትሒቲ ሰብ ከምዝኾኑ ምግዋሕ ዝብል እዩ።ንኣብነት ካብ ቃላት ጀሚርካ ባንዳ መለስ ዜናዊ፣ደብረ ፀንፃይ፣ስብሓት ጋዕጋዕ ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን ክንጥቀም ተገዲድና ኢና።እዙይ ዝገበርናሉ ምኽንያት..እቲ ዝነበረ ኣምልኾ ናይ ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝግመት ንላዕሊ ስለዝነበረ እዩ።ብሓፂሩ ህወሓት እቲ ልዕሊ ፈጣሪ ክረአዩ ዝሰርሖ ውዲት ብኣንፃሩ ትሕቲ ሰባት፣ዉዱቓት፣ጠንቂ እዚ ኩሉ ፀገምና ምኻኖም ብኹሉ መዳይ ክንገልፅ ነይርና።

እዙይ ድማ ብመጠኑ ዕዉት ስራሕ ሰሪሕና ኢና።ሎሚ እንተውሓደ ናይ ህወሓት ሰባት ከም ፈጣሪ ዝርኢ የለን..እንተበልና ጌጋ ኣይኮነን።

(ብዘይካ እቶም ፈሊጦም ዝደቀሱ ማለት እዩ)

ካልኣይ ብዛዕባ ዋንነት ቀይሕ ባሕርና እዩ።

ባሕሪ ታሪኻውን፣ተፈጥራኣውን፣ሕጋውን ዋንነት ‘ቢሔረ ኣግኣዚ’ ንምኻኑ ሰፊሕ ጎሶጓስ ተኻይዱ እዩ።ጉዳይ ዋንነት ባሕሪ’ውን ከም ቀዳማይ ምዕራፍ እኹል ዝባሃል ግንዛበ ኣብ ህዝብና ክሰርፅ ኪእሉ’ዩ ዝብል ገምጋም ኣለና።ሎሚ ባሕሪ ናይ ተጋሩ’ዩ ዝብል ሰብ/ትግራዋይ ቁፅሩ ዝናዓቕ ኣይኮነን።ኣብ ዓድና internet ናብ ቦታኡ ምስተመለሰ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብቐሊሉ ነረደአሉ መንገዲ ተፀሪጉ እዩ ክንብል ንኽእል ኢና።

#ውብኣ ዘገድሶ ሓሳቡን፣ዕላማኡን ናብ ህዝቢ ዘለዎ ተበፃሕነት ጥራሕ እዩ።ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግብዝነት/hypocrisy ከምኡ’ውን ዘይቅንዕና/dishonesty ዝመሳሰሉን፣ካልኦትን ሕማቕ ባህልታት ክቕየሩ ክንሰርሕ ኢና።ብተወሳኺ ብፍላይ እቲ ምንጪ ስልጣነናን፣ህልውናን ዝኾነ ዋንነት ቀይሕ ባሕርና ናብ ዋናታቱ ክምለስ ከይተሓለልና ከምንሰርሕ ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ኩሉኹም..ኣባላትን፣ደገፍትን ውብኣ ነፀብራቕ ፍረ ፃዕርኹም ስለዝኣኹም እንቋዕ ደስ በለኩም ደስ በለና።ሙሉእ ዓወትና ድማ ቀረባ እዩ።
#ውብኣ

 

Scroll to Top