ዕንቅፋታት ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ
ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ንብርክት ዝበሉ ዘበናት ምእንተ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ካብ ድኽነት ወፂኡ ፅቡቅ ዝኾነ መነባብሮ ንክነብርን ንክምዕብል ኢሉ ተቓሊሱ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና እዚ ህዝቢ እዚ ኩሉሻዕ ኣንፃር ባዕዳዉያን፣ መሳፍንትን ፋሽሽታዉያንን ተቓሊሱ ክሳብ ሕዚ ፍረ ፃማ ቓልሱ ኣይረኸበን፡፡ እቲ ኣቦታትና ብታሪኽ ዝገበሩዎ ቃልሲ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ትማሊ ን17 ዓመታት ዝተገበረ ቃልሲ ክንደይ መፅብዓታት ዝተኣተወሉ ንህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ከይጠቐመ ንኻልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ኣማዕቢሉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ግና ኣብታ ዝነበራ ኣሎ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉ በቲ 17 ዓመታት ዝኾፈሎ መስዋእቲ ነቲ ባህጉ ወሲዶም ዝማዕበሉ ክልላት ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኣብ ልዕሊኡ ክሕደትን ወራርን ፈፂሞምሉ ተመሊሱ ናብ ቃልሲ ኣትዩ ፡፡ ሕዚ እውን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ተዋሒጡ ኢድ ለገስቲ ሃገራት የማዕዱ ኣሎ፡፡
ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ንቃልሲ ህዝቢ ተበሊፁ ኣብ ኮርቻ ስልጣን ተቐሚጡ ዘሎ ውድብ ህወሓት እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ሓሊፉሉ ተመስገን ኢሉ ከይነብርን ከይምዕብልን ኩልሻዕ ኣብ ቃልስን ድኽነትን ንበር ኢሎም ፈሪዶሙሉ፡፡ መራሕቲ ህወሓት ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ተበሊፆም ንሶምን ደቆምን ኣብ ምዕቡልን ዝሓሸን ሃዋሀው እንትነብሩ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ግና ኣብታ ናይ ድኽነት ባይታ ተደብሪዩ ኣሎ፡፡ ዝኾነ ፀላኢ ወይ ወራሪ ብስልጣኖምን ሃፍቶምን እንትመፆም ነቲ ህዝቢ ናዓ ተቓለስ ኢሎም ጎስጓስ ገይሮም ኣደዳ ሞት ይገብሩዎ፡፡ ብኡኡ መጠን እውን ውፅኢት ናይ ኩናት ኣብ ዝባን ህዝቢ ዓሪፉ ህዝቢ ብድኽነት እንትጥፋሕ ንሶም ግን ኣብ ፅቡቕ ናይ መነባብሮ ኩነታት ኣለዉ፡፡
እምበኣር ገለ ኣብነታት ኣብ ክሊ እቶም ንባህጊ ህዝቢ ዓፊኖም ካልኣይ ዕፅዋን ክባን ኮይኖምዎ ዘለዉ ነገራት ከም ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣወንታዊ ተግባር (OTNAA-worldwide) ዘለውና ትዕዝብትታት ክነካፍልኩም
- ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ህዝባዊ ዕላማን ሓደራን ተሓንጊጡ ተቓሊሱን ኣብ ምቅላስን ይርከብ፡፡ እዞም መራሕቲ ውድብ ህወሓት ነቲ ዓወትን ተሰማዕነትን ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ብስልቲ መንዚዖም ንምውሳድ ሰፊሕ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ካብቶም ዝጥቀሙሎም መርዚ ዝተላዕጠጡ ሽርሕታት ሓደ /ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ብዘይ መሪሕ ውድብ ህወሓት ዋጋ የብሉን/ ዝብል ኣበሃህላ ሓደ እዩ፡፡ ኣብቲ ን8 ኣዋርሕ ዝተገበር ቃልሲ ይኹን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ኩናት ኢሉ እውን ክሳብ ሕዚ ካብ ታራ ተጋዳላይ ክሳብ ላዕለዋይ ወታደራዊ መሪሕነት ዝብፅሑ ኣባላት ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ቓልሲ ዝሳተፉ ዘለዉ ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ባይቶና፣ ዉናት፣ ሳወት፣ ውዳበ ብሔረ ኣጋእዚ (ውብኣ)፣ ዓሲምባ፣ ዓረና፣ ትዴፓ እዮም፡፡ ንፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ንጎኒ ገዲፎም ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ይቕድም ኢሎም እንዳተቓለሱ ከለዉ መሪሕነትን ካድረታት ውድብን ግና ኣብ ማእኸል ሰራዊት ኣትዮም ውድባዊ ልእኽትኦም እዮም ዝፍፅሙ ዘለዉ፡፡ እዚ ብኣግኡ ክእረም ኣለዎ፡፡ ድሕንነት ህዝቢ ምስ ተረጋገፀ ፖለቲካዊ ገምጋምን ቃልስን ኣብ ጠረጴዛ ክነርክበሉ ኢና፡፡ ኣንቱም መራሕትን ካድረታትን ህወሓት መታለሊ ፖለቲካዊ ስብከትን መዐሸዊ ፀዋታታትኩምን ይትረፍኩም፡፡ እቲ ካልኣይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ዝበፅሕ ዘሎ በደል ድማ ኣብ ክሊ ደመወዝ ዘሎ ኩነታት እዩ፡፡ ወይ ካብ ብዓንተዉኡ ደመወዝ ከይሃብኩም ድልየታቱ ብቅንዕና እንዳኣቕረብኩም ንክቃለስ ሓገዝ ምገበርኩም ፅቡቕ ነይሩ፡፡ ውድብ ህወሓት ናብ ስልጣና ምስ ተመለሰት በቲ ብሞንጆሪኖ ዝምራሕ ስተርሊንግ ኮሚቴ ንሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ንሓደ ተጋዳላይ ናይ ሓደ ወርሒ ናይ ምግቢ በጀት 800 ብር ናብ ጅቡኡ ትወሃቦ ደመወዝ ድማ 300 ብር እያ ነይራ። ነዚኣ ዘይረኸቡ እውን ነይሮም እዮም፡፡ ብዝኾነ እታ ናይ ምግቢ በጀት ሸተት እንዳበለት ናብ 500 ብር ወሪዳ፡፡ ቀፂላ እውን ናብ 450 ወሪዳ፡፡ ሕዚ ድማ እታ 300 ብር ደመወዝ ንገሊኡ ትወሃቦ ኣብ ገሊኡ ድማ ትስኣነሉ ግዜ መፂኡ። ነቶም ተጋደልቲ ብዛዕባ ደመወዝ ዝሓተቱ ሰጥ ኢልኩም ተቓለሱ ዝብል መምርሒ ወሪዱ ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ምእንተ ህዝቡ ክብል ጉቡኡ ኣብ ምፍፃም ይርከብ፡፡ ግን ድማ ኣብቲ ዘለዎ ከርፋሕ ናይ ቃልሲ ናብራ ንዘሎ ናይ ምግቢ ፀገም ሕቶ እንተቕረበ ሑሩጭ ተሰፊሩ ተዋሂቡዋ እንተስ ግዒትኩም እንተስ ቅጫ ገይርኩም ብልዑ ተባሂሎም ይምገቡ ኣለዉ፡፡ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ መሕፀቢ ነብስና ወይ እውን መሕፀቢ ክዳዉንትና ሳሙና ይውሃበና ኢሎም እንትሓቱ ድማ ሓሙኽሽቲ በፅቢፅኩም ሕፀቡ ዝብል መልሲ ተዋሂቡዎም፡፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ካብ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ጀሚሩ ክሳብ ታሕተዋይ ኣመራርሓን ኣብ ሰራዊት እውን ካብ ላዕለዋይ መራሒ ክሳብ ታሕተዋይ መራሒ ዓጀብቲ ተገይሩሎም ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ነገር እቶም መራሕቲ ፎቆዶ እንዳ መስተን ጎደናታትን እንትዘናግዑ እቶም ዓጀብቲ ደድሕሪኦም ብእግሮም ከርተት ይብሉ። ኣብ ገለ ገሊኡ እቶም መራሕቲ ብበዝሒ መስተ ውንኦም ስሒቶም እንትወድቁ እቶም ዓጀብቲ ተሰኪሞም ናብ መኪና ብእታዉ ገዛ ምብፃሕ ልሙድ ስራሕ ኮይኑ። እዚ ኹሉ ሕመቅ ሸፊኖም ደድሕሪ እቲ መራሒ ዝጎዓዙ ዓጀብቲ በቶም መራሕቲ ክብሪ ኣይወሃቦምን። መራሒ ኣብ ዝደለዮ ሆቴል ኣማሪፁ እንትበልዕን እንትሰትን ዓጃቢ ፀግዒ ሒዙ ሃንን ይብል። ሓደ ሓዲኡ ዝኸፍአ መራሒ ዝሓዘ ዓጃቢ ኣብ ደገ በሪ ንበይኑ ተገቲሩ ክፀንሕ ይገብሮ። ብተወሳኺ ድማ ብሰንኪ ዋሕዲ ደመወዝ ዳርጋ ኣብ መላእ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ዝርከብ ሰራዊት ትግራይ ብስራሕ ይኹን ወይ ስድራ ክጥይቅ ካብን ናብን ክንቀሳቀስ ከሎ ልክዕ ከም ፅዕነት ኣብ ልዕሊ ፖርቶመጋላ ኣውቶቡሳት።፣ ሚኒባሳት ተሰቂሉ ብፅሓይን ንፋስን ተጎሳቁሉ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣቧራ ተኸዲኑ ትራንስፖርት ይጥቀም ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ሕፅረት መሳፈሪ ገንዘብ እዩ ከርተት ዝብል ዘሎ። ንግዚኡ ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ነቲ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ክብል ነቲ ናብራ ቃልሲ ዕረ እንዳጠዓሞ ስምዒቱ ዓቂቡ እዩ ዝቃለስ ዘሎ፡፡ ሓደ ዘይክሓድ ሓቂ ግና ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኣብ ዘተኣማምን ውሑስ ኩነታት ምስ በፀሐት ኣፈሙዝ ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ናባኹም ከምእተቕንዕ ከይትዝንግዑ፡፡ ብልሽዉና መሪሕነት ውድብ ህወሓት እቲ ዝዓበየ ዓንቃፊ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ዝቃለሰሎም ዘሎ ዕላማታት ብመንፅር ጥቕሚ ውድብ ህወሓት እንዳቓነኹም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ትላዘቡ ዘለኹም ዓገብ ትገብሩ ኣለኩም፡፡ ንህላወ ህወሓት ዘይኮነስ ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኣቐዲምኩም ተላዘቡ፡፡ ውድብ ሓላፋይ እዩ፡፡ ህዝቢ ግና ነባራይ እዩ፡፡ ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ህዝቢ ድምፁ ክስማዕ ክንደይ ዓገግ ኢሉን ብረት ኣልዒሉ ተቓሊሱን ንድምፁ ዓፊንኩም ነቲ ተቓሊሱ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ባህጉ ከይረክብ ንባህግኹም ጥራሕ ተማልኡ ዘለኹም መሪሕነት ውድብ ህወሓት ስርዓት ግበሩ፡፡ ሰራዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ንመላእ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ሓፁር ኮይኑ ከቢቡ ኣብ ድፋዕ ምስ ኣራዊትን ሓመድን ተሳኒዩ ዝነቐፀ ቅጫ እንዳተመገበ ብፅሓይን ቁርን ዘይንሱ መሲሉ በይዛ ህዝቡ ክሓልፍ ከርተት ይብል ኣሎ፣ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ እውን ምስ ደቁ ሓቢሩ ተቓሊሱ ክንደይ መላምል ቀያሕትን ፀለምትን ገቢሩ ንዓኹም ካብ ዝተሓባእኹሙሉ ጎዳጉድ ኣውፂኡ ግን ድማ ይትረፍ እታ ዝባሃጋ ሰላምን ዉሑስ መነባብሮ ክረክብ ኣይገበርኩምዎን፡፡ ኣደዳ ጥምየት፣ ሕማምን ሞትን ከምኡ ድማ ኣደዳ ድኽነት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ገለ ላዕለዎት መራሕትን ኣብ መቐለ ቀበሌ 17 ኣብ ዝርከቡ እንዳ መስተታት ድፋዕ ሒዝኩም ክተሰትዩን ክትሽርሙጥን ትሓድሩ ኣለኹም፡፡ እዚ ካብ ነባራይ መቐለ ዝተሓበአ ኣይኮነን፡፡ ካብ ኢቦኒ ዝተባህለ እንዳመስተ ጀሚሩ ዉሽጢ ንውሽጢ እንዳ መስተታት 17 ቀበሌ ሙሉእ ካንሸሎ ዓፂኹም ከምኡ ድማ ክሳብ መእተዊ እምባሴሬ ዘሎ እንዳ ዴጌናት ሆቴል ሒዝኩም ተሓድሩ ተግባርኩም ህዝቢ ኣቑሲሉዎ ኣሎ፡፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዝጠማጠም ዘሎ ጅግና ሰራዊትን ፀዋር ህዝብን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ቃልሱ ብዓወት ዛዚሙ ንዓርሱ ኡፈይ ኢሉ ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ዘረክባ ሰላማዊት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኣብ ምብሃግ ኣንፈታት ካብ ምውፃእ ጀሚሩ ሓቀኛ ተቃለስቲ ኩኑ። እንተዘየለ ፀውራ ካብ ሙዃን ገለል በሉ።
- እተን ብሚዲያ ተቓሊሐን ዝወፃ ግፍዕታት ዝረኣዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ንህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኢሎም ኣብ ዝልእኽዎ ዘለዉ ረድኤት ዝግበር ዘሎ ሌላን ጉሌላን እውን ናይ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ናይ ጠምየትን ሕክምናን ባህጉ ክዕንግላ ክፍዉሳ ኣይከኣላን፡፡ ረድኤት ይኣቱ ኣሎ፡፡ ህዝቢ እውን ብዓይኑ ይሪኢ ኣሎ፡፡ እኽሊ ይኽዘን ኣሎ ምስ ሞትና እንታይ ክገብረልና ኢሉ ህዝቢ ምምራር ምስ ጀመረን ድሕሪ ብዙሕ ጥርዓንን ብርግፅ ዝተወሰነ እኽሊ ንህዝቢ ምዕዳል ተጀሚሩ እዩ፡፡ ኣብ ክሊ ምዕዳል ግና ካብ መፅናዕቲ ጀሚሩ ብዙሕ ሌላን ጉሌላን ኣለዎ፡፡ ብመንፅር ኣባልነትን ምግዳልን እንዳተራኣየ ሰብ ይፈላለ ኣሎ፡፡ ሰብ ብጥምየት እንትሞት ክንድዚ ሰብ ብጥምየት ሞይቶም ተባሂሉ ኣብ ሚዲያ ይጋዋሕ፡፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ግና ብህይወት እንከሎ እኽሊ ከይወሃቦ ዝኸልከለ ባዕሉ እቲ ኣብ ታሕታይ ዘሎ ብውድብ ዝተመደበ መሓዉር መሪሕነት እዩ፡፡ ካብ ልምዓት ጉጅለ ዝበሃል ጀሚሩ ክሳብ ክፍለ ከተማ ዘሎ ኔትወርክ ናይዚ ብልሽዉና ተሓታታይ እዩ፡፡
- ኣብዚ ኩነታት ኣብነት ከንቐምጥ:-
- ሀ)ሓንቲ ኣደ ካብ ልምዓት ጉጅለ ጀሚራ ክሳብ ክፍለ ከተማን ኢሉ እውን ናብ ዞባን ክልል ናብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ዶ/ር ኣትንኩት ጠሪዓ ሰማዒ ስኢና፡፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ናይ እኽሊ መጋዘን ዘለዎ ሓሚዳይ ከይዳ ምስ ደቀይ ክሞት ኢለ እኽሊ ሃቡኒ በጃኹም ኢላ እንዳበኸየት ሊሚናቶም፡፡ ንሕና ብዘይ ደብዳበ እኽሊ ኣይንህበክን ኢሎም ምስ ኣቕበፅዋ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብቲ ከባቢ ተኣኪቡ እንዳሃለወ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥምየታ ከም ረመፅ ዘጋጠማ ሚስጢራ ኣቃሊዓ፡፡ ድምፃ ዓው ኣቢላ ድማ ቀምሻ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢላ ጥራሓ ብምውፃእ ርኣዩ ሰራዊት ሻዕቢያ ተደጋጋሚ ደፊሮሙኒ ብሰንኪ እቲ ዝገጠመኒ ዓመፃ ብሕማም ፌስቱላ ተታሒዘ፡፡ ይትረፍ ሕክምና እኽሊ ስኢነ ቅድሚ ሙሟተይ ህዝቢ ይፍለጠለይ ኢላ ኣእወየት፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓለዉቲ መጋዝን እኽሊ ሱቕ ክትብል ኣፈራሪሖማ። ነዚ ኩነታት ዝረኣዩ ሰራሕተኛታት ገባሪ ሰናይ ዉልቀ ትካል Action against hunger ስምዒቶም ምቁፁፃር ስኢኖም ነታ ኣደ ወሲዶም ክዳና ብምኽዳን ካብ ናይ ባዕሎም መጋዝን እኽሊ ኣውፂኦም ሂቦማ፡፡
- ለ) ብመዳይ ጥዕና ድማ ህዝቢ ስኣን እኹል ሕክምናን መድሓኒትን ኣደዳ ሞት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ግብረ ሰናይ ለገስቲ ትካላት ብኣየር ኮነ ብምድሪ ዝተፈላለዩ ኣፋዉስ ናብ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ክኣቱ ገይሮም እዮም፡፡ ብርግፅ እቲ ዝኣቱ ዘሎ መጠንን እቲ ተጠቃማይን ክመጣጠን ኣይከኣለን፡፡ ብኣንፃሩ ግና ብሚዲያ ይኹን ህዝቢ ብዓይኑ መድሓኒት ናብ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ከም ዝኣተወ ተረጋጊፁ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ህዝቢ ናብ ገልግሎት ሕክምና ከይዱ መድሓኒት የለን ይብሃል፡፡ ብተወሳኺ ድማ ከምኒ ላዕላዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኮነ ሆስፒታል ኩሓ ብሰንኪ መድሓኒት ስራሕና ጠጠው ኣቢልና ኢለን፡፡ ዋላ ሆስፒታል መቐለ ኮነ ኣብ ህዝባዊ ጥዕና ጣብያታት መድሓኒት የለን፡፡ እሞ ድኣ እቲ ዝኣቱ ዘሎ መድሓኒት ኣበይ ኣሎ? ከም ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣወንታዊ ተግባር (OTNAA-Worldwide) ኣብ ዝገበርናዮ መፅናዕቲ ኣብቲ ንህይወት ህዝቢ ንምድሓን ተባሂሉ ዝኣቱ ዘሎ መድሃሓኒት ናይ ንግዲ ስራሕ ይስርሓሉ ከም ዘሎ ብጭቡጥ ኣረጋጊፅና ኣለና፡፡ ነቲ መድሓኒት ዝቆፃፀሮ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ምስ ቢሮ ጉዳይ ጥዕና ክልል ትግራይብሔረ ኣጋእዚ እዩ፡፡ እዚ ቢሮ ብዕሊ ናብ ስራሕቲ ንግዲ ኣትዩ እዩ፡፡ ህዝቢ ብዝተሓተ ዋጋ ኣብ ሆስፒታላትን ጣብያ ጥዕናታትን መድሓኒት ገዚኡ ከይጥቀም እቲ መድሓኒት ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ፋርማስታት ይሽየጡ ኣለዉ፡፡ ቀንዲ ውፅኢት ናይዞም ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ዝጥቀሙለን ሓደሽቲ ፋርማስታት ኣብ ከባቢ ሮማናት ናብ ባዛርን ናብ ዓብይ ባንክን ኣብ ዝወስድ መንገዲ፣ ካብ ሓዉዜን ኣደባባይ ናብ እንዳማርያም፣ ካብ ሓዉዜን ኣደባባይ ናብ ዕዳጋ ሶኒ ኣብ ዝወስድ መንግዲ፣ ካብ ሓዉዜን ናብ ባዛር ኣብ ዝወስድ መንገዲ፣ ኣብ ዓዲ ሓውሲ ተኸፊተን ኣለዋ፡፡ እዘን ፋርማስታት እኹል መድሓኒታት መሊአን መድሓኒት ብኽባር ዋጋ እንትሸጣ ብኣንፃሩ ሆስፒታላትን ጥዕና ጣብያታትን ሓዊሱ እተን ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ብትሑት ዋጋ ዘቕርባ ቀይሕ መስቀልን ከነማን ስኣን መድሓኒት ጥረሐን ኮይነን ኣለዋ፡፡ እዚ ኔትወርክ ካብቲ መራሒ ቢሮን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ዝጀመረ እዩ፡፡ ካብ ህዝቢ መንጢልካ ንግዲ ምስራሕ ዓገብ እዩ፡፡ ነቲ ብሰንክኹም ድኻ ክኸውን ዝገበርክምዎ ህዝቢ ሕሰቡሉ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣወንታዊ ተግባር OTNAA-Worldwide ፅንዓት ገይርና ዝረኸብናዮ መረዳእታ ኣብ ኩለን ሆስፒታላትን ጣብያ ጥዕናታትን ብብዝሓት ካብ ዝረኣዩ ዘለዉ ሕማማት ኣተት፣ ማናጃይትስ፣ ናይ ዓይኒ ሕማማት፣ ዓበቅ ናይ ቆርበት ሕማማት፣ ኣዝማ፣ ቲታኖስን እዮም። ብሰንኪ መድሓኒት ድማ ብርክት ዝበለ ሰብ ይመውት ኣሎ።
- ኣብዚ ኩነታት ኣብነት ከንቐምጥ:-
- እቲ ካሊእ ማሕነቆ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኮይኑ ባህጊ ህዝቢ ዓፊኑ ሒዙ ዘሎ ቢሮ ማህበራዊ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብዚ ቢሮ ዝተመደበ ሙሉጌታ ደባልቀው ዝተብሃለ ሓላፊ እቲ ቢሮ ካብ ዘለዎ ዲክታተራዊ ባህሪኡ ዝተለዓለ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ቢሮ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እውን የማርርዎ ኣለዉ፡፡ ብፍላይ ንሱ ንዝርብሐሉ ነሓደ ግብረ ሰናይ ትካል ጥራሕ ዝተመደበ ይመስል ኣባላት እቲ ትካል ኣብ ስዓቱ ኮነ ኣብዘይ ስዓቱ ኣብ ዝመፁሉ ግዘ ተቐቢሉ የተኣናግዶም፡፡ ንሱ ዝርብሐሉ ሓደ ዓብይ ፕሮጀክት ሒዞም መፂኦም ነቲ ፕሮጆክት ተቐቢሉ ተፈራሪሙ ውዕሊ ኣሲሩ ኣሎ፡፡ ሰብ ከም ሰብ ሪኢኻ ብዓይኒ ሰብኣውነት ዘርእን ሃይማኖትን ከይፈለኻ ምሕጋዝ ሓደ ዓብይ ተግባር ሰብኣውነት እዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኣብ ሓሳረ መከራ ወዲቁ ብጥምየትን ሕማምን እና ሃለቀ ከሎ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ምስዚ ናይ ውሽጢ ዓዲ ትካል ተሓባቢሮም ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ መቀለ ኣብ ኣብ ቅፅሪ ግቢ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል የምግቡን የንብሩን ኣለዉ። ክንደይ ትግራዋይ ብሔረ ኣጋእዚ ፎቆዶ ጎደናታት ተደርብዩ ንሶም ኣብ ዝሞቀ ህንፃን ኣብ ፅሩይ ዓራት እንዳደቀሱ ፅሩይ ምግቢ ይምገቡ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሔረ ኣጋእዚ ፅልኢት የብልናን። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ብሔረ ኣጋእዚ ዝምልከቶም ናይ ዩኤን ትካላትን እቶም ኣብ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ዝተኸፈቱ መዓስከራት ስደተኛታትን ኣለው። ብተወሳኺ ድማ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ናይ ረድኤት ትካላት ኣለዋ ብዓብይኡ ድማ ኦቻ፣ እንዳ ኣራ እውን ኣለው። ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ መገዛ ዓዱ ሓጋዚ ስኢኑ ብጥሜት እንትሃልቅ ንፖለቲካዊ ከስቢ ተባሂሉ 350 ኤርትራውያን ብሔረ ኣጋእዚ ኣብ ከተማ መቀለ ኣብ ሓደ ግቢ ኣእቲኻ ኣብ ምቾት ክነብሩ ምግባር ክሕደት እዩ። ብርግፅ መራሕቲ ህወሓት ኮኑ ሓለፍቲ ማሕበራዊ ጉዳይ ብስም እቶም ኤርትራውያን ዝረኽብዎ ጥቅማጥቅምን ገንዘብን ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ግና ብዓይኒ ፀጥታን ድሕንነትን እንተተራእዩ ኣብ መቀለ ክንደይ ሰላሊ ተበቲኑ ከም ዝውዕል ክፍለጥ ኣለዎ። ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ነዚኣቶም ከምዚ ገይሩ እንዳተኸናኸነ ብኣንፃሩ ግና ትግራዋይ ብሔረ ኣጋእዚ ኣገልግሎት ደልዩ ናብ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ እንትመፅ ሓላፊ እቲ ቢሮ ነቲ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ ክሰምዖ ድልየት የብሉን፡፡ ኣንፃራዊ መልሲ ይህብ፡፡ ገለ ኣብነት ክንገልፅ:-
- ሀ) ሓንቲ ሰበይቲ እኽሊ ዝብላዕ ስኢና ድሕሪ ክንደይ ምምላስ ናብ ቢሮ ኣትያ ክተዘራርቦ ፈቲና ንሱ ግና ፀማም እዝኒ ሂቡዋ፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ዝበፅሓ በደልን ሕዚ ዘለቶ ኩነታት መነባብሮ ኣትሪራ ተዛረበቶ፡፡ ማለት እውን ብቡዙሓት ሰራዊት ሻዕቢያ ከም ዝተደፈረትን ገዛኣ ዓንዩ ኣብ ጎዳና ከም ዝተደርበየትን ክተረድኦ ፈቲና፡፡ ናቱ መልሲ ግና /ንሱ ንዓይ ኣይምልከተንን፡፡ ናብቲ ትነብርሉ ከባቢ ከድኪ መረዳእታ ኣፅሕፊ ብተወሳኺ ንሶም ይሓግዙኺ/ ኢሉዋ፡፡ እዛ ሰብ እዚኣ ኣብ ልዕሊ መሰላ ምግሃሱ ሕዚ ድማ ጠምየ ክሞት ኢለ እንዳበለት ከላ ቅስማ ዝሰብር መልሲ ሂቡዋ፡፡ እቲ ዝገርም ግና እዚ ሓላፊ ቢሮ ኣብ ግዘ እርጋኑ ፎቆዶ እንዳ መስተ ካብቶም ናእሽቱ ደቂ ኣንስትዮ ዘባላሽዩ ሓደ እዩ፡፡
- ለ) ኣብ መቐለ ሓደ ህፃን ኣብ ባኮ ተደርብዩ እንዳበኸየ ዝረኸቡ ጉዱሳት ሰባት ነቲ ህፃን ኣልዒሎም ናብ ሙሉጌታ ደባልቀዉ ቢሮ ኣትዮም እዚ ህፃን ተደርብዩ ረኺብናዮ እሞ ናበይ ክነብሎ ወይ ብኸመይ ክንረድኦ ንኽእል ኢሎም ኣብ ዝሓተቱዎ ግዘ መልሲ ሙልጌታ ብግልባጡ እዩ ነይሩ፡፡ /ንምንታይ ኣልዒልኩምዎ? ንስኹም ወንጀለኛታት ኢኹም? ኢሉ ኣጓጢጡሎም፡፡ እዞም ሰባት ቀለልቲ ኣይነበሩን፡፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ ህፃን ምልዓል ከም ወንጀል ትቆፅር ንስኻ መን ኢኻ፡፡ ክትፈልጥ ዕድል እዚ ህፃን እዚ ተደብሪዩ ክመውት ኣይኮነን፡፡ ፅባሕ ንጉሆ ሰብ ኮይኑ ክፈርደካ እዩ፡፡ ናትካ ኣንፈትን ሓገዝን ይትረፈና ባዕልና ክንሕብሕቦ ኢና ኢሎም ካብቲ ቢሮ ወፂኦም ከይዶም፡፡
ብሓፈሻ እቲ ስም ጥራሕ ሒዙ ዝጎዓዝ ዘሎ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ እቲ ዝገደደ ዓፋኒ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሙሉጌታ ንህዝቢ ኣገልገሎት ከልኪሉ ንርእሱ ቅዱስ መሲሉ ናብ ናይ UN ትካላት ይመላለስ እዩ፡፡ ብኡኡ መንፅር እውን ጥቕማጥቕሚ ይረክብ ኣሎ፡፡
- ህዝቢ ዝብድሉ ዝነበሩ መራሕቲ ሕዚ እውን ተመሊሶም እቲ ህዝቢ ባህጊ ቃልሱ ከይረክብ ዓንቀፍቲ ኮይኖምዎ ኣለዉ፡፡ ውድብ ህወሓት ንድሕሪ ዓወት ሰነ 21/2013 ዓ/ም ሕዚ ነገራት ተቐይሮም እዮም ናብቲ ዝነበረ ብልሹው ምሕደራ ኣይንምለስን ኢሉ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግና ካብ እኒ ኣለም ገ/ዋህድ ጀሚሩ ክሳብ ታሕተዋይ ኣመራርሓ ምስ ኔትወርኮም ተመሊሶም ኮፍ ኢሎም ህዝቢ የንገላትዑ ኣለዉ። ህዝቢ ኣብ ኩለን ቤት ፅሕፈታት መንግስቲ ስኣን ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን የማርር ኣሎ። ግን ሰማዒ የለን። ምኽንያቱ ድማ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዝበደልዎ ንሶም እዮም ተመሊሶም መፂኦም ደም ዘንብዕዎ ዘለዉ። ካብቲ ብዙሕ ሓደ ኣብ ዞባ መቀለ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኮይኑ ናይ ክንደይ ሰብ ገንዘብ ዝበዝበዘ እሞ ድማ ህወሓት ናብ ብርኪ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝሸሞቶ ሰብ ወራር እንትመፅእ ክሳብ ዓብይ ዓዲ ሃዲሙ ፀኒሑ ካብኡ ተመሊሱ ናብ ከተማ መፂኡ ናብ መራሕቲ ብልፅግና ቀሪቡ ተጋግየ ስልጣን ሃቡኒ ዝበለ ሰብ እዩ። 8 ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ተሓቢኡ ኣሕሊፉዎ። ድሕሪ ዓወት ካብ ዝተሓበአሉ ከተማ ብስም ምስ እኒ ብርሃነ ዝበሃል ኣብ ዞባ መቀለ ኣብ ሓላፍነት ዝሰርሐ ሰብ በቲ ዝነበሮ ኔትወርክ ተደጊፉ እዚ ሰብ ኣብ ከተማ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ ብምባል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዞባ መቀለ ኣብ ሓፋሽ ማሕበራት ስልጣን ተዋሂቡዎ ናብታ ናይ ብዝበዛ ተግባሩ ኣትዩ ኣሎ። እዚኦምን እን ኣለምን ኮርቻ ስልጣን ሒዞም ህዝቢ ኣብ ምድንጋርን ሃፍቲ ህዝቢ ኣብ ምብዝባዝን ይርከቡ።
- እቲ ክንዓቅ ዘይግብኦ ካሊእ ማሕንቆ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ድማ ሚዲያ እዩ። ኣብቲ ዝነበረ ቃልሲ ኮነ ግፍዕታት ኣብ ምግላፅ ሚዲያታት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚን ኣብ ወፃእ ዘለዋ ተጋሩ ሚዲያታት ዘይሕለል ኣበርክቶ ነይሩወን። ሕዚ ግና ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ናበይ ትኸይድ ኣላ? መፃኢ ዕፃ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ እንታይ እዩ ክኸውን? ንዝብሉ ሕቶታት ማእኸላይ ኮሚቴ ንበይኑ ንህዝብን ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ኣግሊሉ ከምድላዩ ይዉስን እሞ እቲ ዜና በተን ኣብ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ዘለዋ ሚዲያታት ምስ ፀላኢ ብሓደ ይሰምዕ። ሓደ ሓዲኡ ኣብ መቀለ ዝተወሰነ ነገር ዘይሩ ካብ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ወፃእ ብዘለዋ ሚዲያታት ይሰምዖ። ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ንዘለዎ ፅምኢ ሓበሬታ ንምርዋይ ኢሉ ኣብ ጎደናታት መቀለ ንሓንቲ እስፒከር ልዕሊ 100 ሰብ ተኣኪቡ እንትሰምዕ ምርኣይ እኹል እዩ። ኣብ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ዘለዋ ኣፍ ህወሓት ጥራሕ ዝኾና ሚድያታት ምስማዕ ሰልችዩዎ መማረፂ ደልዩ ኣብ ልዕሊ ጥምየቱ ቅርሺ ኣውፂኡ ሓበሬታት ይዕድግ ኣሎ። ከም እኒ tmh ኣብቲ ቃልሲ ዝነበረን ኣበርክቶ ልዑል እዩ። ኮይኑ ግና ንትግራዋይ ባህሊ ዘይውክል ፅያፍ ቃላት ምጥቃም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ክሊ ድሕረ ባይታ ሓደ ውልቀሰብ ዕንክሊል ምባለን ኣይተፈተወለንን። ድላዩ ሰብ ኣንፃራዊ ይኹንካ ኣብቲ ዘልዕሎ ሓሳብ ትሟጎቶ ወይ መርትዖታት ኣቅሪብካ ነቲ ሓቂ ተጋልፅ እምር ነቲ ሓሳብ ገዲፍካ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት ዉልቀሰብ ኣቲኻ ምፍትፋት እንትርፊ ነቲ ጋዜጠኛ ቂሙ መዋፅኢ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ዝጥቅሞ ነገር የለን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም እኒ ደደቢት ሚዲያ በዚ ከባቢ ክንድዚ ወታደር በመካይን ተራጊፉ በዚ ኣንፈት ናብ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ክንድዚ ታንክታት ተፀጊዐን፣ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ንምጥፋእ እኒ እከለ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ተኣኪቦም ወሲኖም ዝብሉ ዜናታት ኾነ ትንታነ ነቲ ህዝቢ ራዕዲ ይፈጥረሉ እምበር ኣይርበሐሉን። እዞም ወታደራዊ ሓበሬታታት ብጭቡጥ ዝተረኸቡ እንተኾይኖም ናብ ዝምልከቶ ወታደራዊ ወይ ናይ ስለያ መሓውር እዮም ክልኣኹ ዘለዎም። ደደቢት ሚዲያ ዳርጋ ናይ ራዕዲ መተሓላለፊ ሚዲያ እዩ ዝመስል። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኣውስትራልያ ኮይንካ ጉዳይ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ንስኻ ጥራሕ ትፈልጥን ክግበር ዘለዎ ንስኻ ጥራሕ ወሳንን ኮይንካ ምቅራብ ብበዝሒ ይረአ እሞ ይተኣረም። ብሓፈሻ ኩሉኹም ሚዲያታት ብሔረ ኣጋእዚ ውግንናኹም ንህወሓት ዘይኮነስ ንህዝቢ ወግኑ።
- ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ብሰንኪ ኩናት ወለዲ ካብ ደቆም፣ ሓው ካብ ሓፍቱ፣ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ኮታስ ስድራ ካብ ስድርኡ ተበታቲኑ። መን ኣበይ ኣሎ መን ሞይቱ መን ብህይወት ኣሎ ንምፍላጥ ካብ ዝጠቅማ መማረፅታት ስልክን ኢንተርኔትን ካብ ዝርሕቆ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቁፂሩ ኣሎ። ስልክን ኢንተርኔትን ዝጥቀቀሙ ዘለዉ ኣብ UN ቤት ፅሕፈታት ዝሰርሑ NGOታት ካብ መንግስታዊ ትካላት ድማ ደጀን ቢሮ፣ ቤት ፅሕፈት ህወሓት፣ ህወሓት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ፣ ማረት፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ፣ ቴሌቪዥን ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ፣ ድምፂ ወያነ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ፣ ሬድዮ FM መቀለን ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ገዛውቲ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ግልጋሎት ስልክን ኢንተርኔትን ተጠቀምቲ እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ግና ከምኒ ማረትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚን ብሃፍቲ ህዝቢ ተጣይሸንን ሕዚ እውን ኣብ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ብሔረ ኣጋእዚ ንህዝቡ ከድሕን ኢሉ ሚሎናት ቅርሺ ኣታዊ እንዳገበረለን እንከሎ ንሳተን ግና ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ተዋፊረን። ህዝቢ በቲ ዘጋጠመ ኩናት ተበታቲኑ ድሃይ ምርካብ ስኢኑ ስልኪ ንምድዋል ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ፎቆዶ ኣላማጣን ዋጃን ብተመሳሳሊ መንገዲ እውን ብኣንፈት ሳምረ ክሳብ ኒሯቅ ዝበሃል ሰራዊት ዘለዎ ቦታ እንዳ ኸደ እንትጥቀም እዘን ኣብ መቀለ ዝርከባ ንህዝቢ ከገልግላ ዝተጣየሻ ትካላት ንሃፋትምን ደላሎን ንግዳዊ ስራሕ ንክሰርሑ ካብ 5000 – 10000 ብር ንወርሒ እንዳኸፈሉ ስልክን ኢንተርኔትን ክጥቀሙ ይገብራ ኣለዋ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኣብ ከባቢ ሮማናት ኣደባባይ ዝርከባ ኣብ መሸጣ ሚዲያ ዝተዋፈራ ናይ ኢንተርተይመንት ሹቃት ድማ ዝተፈላለዩ ዜናታትን screen shoot, ኣብ ልዕሊ ምሻጥ ብተወሳኺ ድማ ንሓደ ናይ ፁሑፍ ወይ ናይ ድምፂ መልእኽቲ ንምልኣኽ ካብ 70 ክሳብ 100 ብር እንዳኽፈላ ይሰርሓ ኣለዋ። ካብዚ ወፃኢ ኣባልን ደጋፍን ህወሓት ኣብተን ዝተገልፃ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን እንትጥቀም ደኻን ካብ ኣባልነት ውድብ ወፃኢ ዝኾነ ግና ኢንተርኔትን ስልክን ካብ ዝሓርሞ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቁፂሩ ኣሎ። ስልክን ኢንተርኔትን ዝጥቀም ሰብ ካብ ኣብ ደገ ዘለዉ ስድርኡ ወይ ፈተውቱ ገንዘብ እንትስደደሉ እቲ ኻሊእ ህዝቢ ግና ተደፊኑ ኣብ ከርፋሕ ናብራ ይነብር ኣሎ።ንምጥቅላል ግን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተገበሩ ህዝባዊ ኮንፈረንስ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ወርሒ ሰነ ከበባን ዕፅዋን ክፍንፃሕ እዩ። ኩሉ ነገር ብዓወት ክዛዘም እዩ ክብሉ ብግልፂ ተዛሪቦም ኣለዉ። ካብ ፕሮፓጋንዳ ወፂኹም ነታ ሓቂ ሒዝኩም ንህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ነፃ ኣውፅኡ። ግዜ ይነውሕ እምበር ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ክሰምር እዩ። ጥራሕ እታ ኣፋፍኖት ሰላም መሊኣ ትፈጠር እምበር ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣጋእዚ ንኹሎም ሽርሕታትኩም ኣምኪኑ ነቶም ማሕለኻታትኩም በታቲኹ ባህጉ ከስምር እዩ።
ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣወንታዊ ተግባር / ስዊዘርላንድ/
OTNAA-Worldwide Switzerland
Oct 10, 2014