ደንበ ሕውስውስን ለሓስሓስን ክውቃዕ ይግባእ።
=======================
ንፅረት ቃልሲ ብዝብል ናብ ሓፋሽ ዝተወዘዐ ባሕረ ሓሳብ ውድብ ብሔረ ኣግኣዚ / Agaezi National Union Party/ ልዑል ምኽንያት ስለዝነበሮ እምበር ንቐልዲ ኣይካነን። ገለገለ ተቌወምቲ ህወሓት እና ዝብሉ ተጋሩ ብዕምቆት ክንፈልጦምን ክንፈልዮምን ይግባእ። ከመይሲ “ህወሓት ናትና እዮም፣ ኣቦታትና እዮም፣ ኣሕዋትና እዮም፣ህወሓት ትግርኛ ተዛረብቲ እዮም፣ ህወሓት ጀኖሳይድ ኣይፈፀመን፣ ህወሓት ደምና ዝኸፈልናሉ እዩ፣ ብሰላማዊ መረፃ ጥራሕ ንህወሓት ካብ ስልጣን ነውርዶ እምበር ብረት ክንትኩሰሉ ኣይብልናን፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ህወሓት መንግስቲ እዩ ንሓግዞ፣ ህወሓት ፀላኢ ኣይኮነን” ወዘተ እናበሉ ቕኑዕን ህዝባውን ቓልሲ ውብኣ ከጉትሙ ላሕ ዝብሉ ዕሱባትን ልኡኻትን ህወሓት ምኻኖም ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣቦኻ ይኹን ሓውካ ዝቐትለካን ዘፅንተካን እተኾይኑ ፀላኢኻ እምበር ናትካ ክኸውን ዘኽእል ርትዓዊ ምኽንያት ኣይብሉን። ክጠፍእን ክትፀንትን ፣ ክትጠምን ክትሓምምን ከለኻ ዋላ ሓንቲ ርህራሄ ዘየርእየካን ዘይሕግዘካን፣ ንበይኑ ዝበልዕን ዝሕከምን ስሱዕ ሓይሊ ናትካ ሓው፣ ኣቦ ክኸውን ፍፁም ኣይኽእልን።
እዞም ተቋወምቲ እና ዝብሉ ግን ብህወሓት እናተዓሰቡ ዝነብሩ ዘለው ንሕና ከም ውብኣ ብግቡእ ክንፈልዮም ይግባእ። ንሶም ተቃለስቲ ዘይኮኑስ ዓጀብቲ ፀላኢና እዮም። ንህወሓት ግዝያዊ መንግስቲ ዶ ፣ ኣያታትና ዶ፣ ኣሕዋትና ዶ እናበሉ ንዝደናገፁ ውድባት ትግራይ ከም ውብኣ ክንገብሮ ዝግባእ እንተሎ ምስ ህወሓት ደሚርካ ምውቃዕን ምስዓርን ጥራሕ እዩ። ስትራቴጂካዊ መሓዛና ን ፀላኢናን ነፂርና ክንቕፅል ግድን ይኸውን። ምስ ተደናገፅቲ ሽፍታ ዴሞሳይደር ህወሓት ዝበልዕ በላዒ ህዝብና እዩ፣ ምስ ሰታይ ደም ህዝብና ህወሓት ሓቢሩ ዝሰቲ ቐንዲ ፀላኢና እዩ። ምስ ህወሓት ዝእከብን ዝዕጅባን ቐንዲ ፀላኢ ህዝብና እምበር ተቓላሳይ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዙይ ንፅረት ቓልሲ ውብኣ ዝብል ብግቡእ ክንርደኦን ክነተግብሮን ይግባእ። ህወሓት ቐተልቲ፣ ሓረድቲ ህዝቢ፣ ሸፋቱ ሰረቕትን ሓሰውትን ምዃኖም ብግልፂ ኣብ መሬት እናተርኣየ ኸሎ ዘይቕበል ተቋዋማይ ህወሓት እየ ክብል ፍፁም ዘይመስል እዩ። ናይ ህወሓት ካርታ፣ ተረኽ፣ ሕገ መንግስቲ፣ ባንዴራ፣ መዝሙር ወዘተ ዝሽከም ሓይሊ ዕሱብ ህወሓት እምበር ተቋዋሚ ህወሓት ክኸውን ኣይኽእልን። ንዝበለፀ ሓበሬታን ርድኢትን ባሕረ ሓሳብ ንፅረት ውብኣ መፅሔት ምውካስ ይከኣል።


