“ብሔረ ኣግኣዚ”እንታይ እዩ? ብወዲ ጋፍረ

ብሔረ ኣግኣዚእንታይ እዩ?

“ብሔረ ኣግኣዚ’ ናይቶም ጥንታውያን ህዝበ ” ግእዝ” ሃገራዊ(ብሔራዊ) መፀውዒ ኮይኑ..ብፍላይ ድማ በቲ ልዑልስልጣነ ኣኽሱም ይፍለጡ። ሎሚ ስልጣነ አክሱም (Aksum Civilization) ከም መበገሲ ወሲድና ሓተታና ንቐፅል።

ሰላማት ክብራት አሕዋት ከመይ ትቕንዩ. መዳለዊ እዚ ፅሑፍ “ወዲ ጋፍረ” 23/03/2018 ዓ/ግ.

እቲ እዋን 4ይ ክ/ዘበን እዩ።ኣርባዕተ ኣዝዮም ዓበይቲ ኢምፖየራት ከምዝነበሩ ድማ ታሪኽ ሰኒድዎ ይርከብ።ንሳቶምውን:-

  1. ኣክስማይት ኢምፖየር
  2. ሮማን ኢምፕየር
  3. ፐርሺያን ኢምፖየር (ናይ ሎሚ ኢራን). ከምኡ’ውን..
  4. ናይ ቻይና ኢምፖየር እዮም።

ኣብዚ እቲ ኣዚዩ ግዙፉን፣ሓያልን ኢምፖየር “ኣክስማይት ኢምፖየር” ከምዝነበረ ይፍለጥ።’ኣክስማይት  ኢምፖየር’ ካብመጀመርታ 3ይ ክ/ዘበን ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ 10ይ ክ/ዘበን እቲ ዝላዓለ ኢምፖየርን፣ስልጣነን ወኒኑ ሓሊፉ እዩ። ካብ”ንጉስ ኢዛና” ክሳዕ “ሓፀይ ካሌብ” ካብ “ኣብራሃ ዘ-ኣክሱም” ክሳዕ “ኣምበሳ ውደም” ታሪኽ ተሰሪሑ፣ ጫፍ ስልጣነተበፂሑ ..ክብሪ፣ ልዑል ኣድንቖትን ነቶም በላሕቲ ወለድና!!

ከምቲ ወለዲ “ብሔረ ኣግኣዚ” ክምስሉ..”ወላዲኻ መርቕ፣ ወላዲኻ ርግም” እዩ’ሞ ንሕና ደቂ ኣቦታትና ኢና።

..ከምዝፍለጥ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ታሪኽ ሓፀያትናን፣ ንጉሳትናን ክሃስስ አብ ልዕሊ ምግባሮም..”ፀላእትና” ታሪኽንጉሳትናን፣ ሃፀያትናን ከመራስሑን፣ ዘይሽሞም ክህብዎምን ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን “ደቂመሳፍንቲ” ብዝብል ታፔላ ምሁራትን፣ ሊቃውንትን “ብሔረ ኣግኣዚ” ተሃዲኖም፣ጠፊኦም፣ ተቐቲሎም እዮም። ይኹንድኣ’በር ምስ ኩሎም ተፃቦኦታትና ሓመድና ነጊፍና ተላዒልና ኢና። እንሆ ድማ ቃልስና ካብ ንጅምር ዓመታት ተቖፂሩ።

ሓሳባትና ኣዋዲድና፣ ታሪኽና ኣማዓራሪና፣ ፖሊስና ቀሪፅና.. ወግዓዊ ፖለትካዊ ውድብ”ውብኣ-ውዳበ ብሔረኣግኣዚ”ካብ ዝምስረት ኣስታት 3ተ ዓመታት ተቖፂሩ።

ዕላማና:-

ዕላማና እታ ስልጥንትን፣ ብህግትን “ብሔረ ኣግኣዚ” ናብ ቦታኣ ምምላስ እዩ።/back to the origin.

ከምቲ ምትሳእ ዘሎ ምውዳቕ’ውን ንብር’ኳ እንተኾነ..ካብ ውድቀትና ብምትሳእ ድማ ሚዛን ተፈጥሮ ክንሕሉይግባእ። “ውብኣ”ነዚ ክፍተት’ዚ ንምምላእ ዝተፈጠረ ታሪኻዊ ውድብ እዩ።

‘ውብኣ’ ምንጪ ታሪኻዊ ስልጣነኡ ጥራሕ ዘይኮነስ..ምኽንያት ታሪኻዊ ውድቀቱ ‘ውን ብዝግባእ ዝርዳእገስጋሲ/pragmatic ፖለትካዊ ሰልፊ እዩ።

…ከምዝፍለጥ ስልጣነ ኣኽሱም ይኹን ካልኦት ስልጣነታት ‘ብሔረ ኣግኣዚ’ አብ ንግዲ (Trade Civilization) መሰረትዝገበሩ’ዮም ነይሮም።ከም ውፅኢቱ ድማ መስኮታት ናይቲ ንግዲ ብዝነከየ ቁፅሪ ውድቀት ስልጣነና ክቀላጣፍ ዝሕብሩናይ ታሪኽ ሰነዳት ብዝሓት እዮም።ብፍላይ ድማ አብ 6ይ ክ/ዘበን ዝነበረ ናይ እስልምና ምስፍሕፋሕ ተታሒዙ እቲጂኦ-ፖለትካ ቀጠና ናብ ሓደጋ ብምውዳቑ..ንግዳዊ ምንቅስቓስ ‘ብሔረ ኣግኣዚ’ ክንደየናይ ከምዝጎድኦ ንምግማቱዘሸግር ኣይኮነን።

ከምኡ’ውን ካብ 7ይ ክ/ዘበን ንዳሓር ብብዙሓት ውሽጣውን፣ደጋውን ተፃበኦታት ሰለይ ዝብል ዝነበረ ስልጣነኣኽሱም..ብወግዒ አብ መወዳእታ 10ይ ክ/ዘበን ማለት’ውን ካብ 940-980 ዓ/ግ አብ ዝነበረ እዋን ብወድዓዊ ምኽንያትወራር “ዩዲት ጉዲት” ብዕሊ ከምዝወደቐ ታሪኽ ሰኒድዎ ሓሊፉ እዩ።

ብኸመይ ካብ ውድቀትና ንትስእን ካልኦት ድማ አብ ቀፃሊ ክቐርብ እዩ።

“ውብኣ” ይስዕር💪 !

“ወዲ ጋፍረ”

No photo description available.

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top