ዘላቒ ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ብሔረ እግዓዚ ብዓሠብ ዶ ብኣዱሊሥ ?

ዘላቒ ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ብሔረ እግዓዚ ብዓሠብ ዶ ብኣዱሊሥ ?
========
ፖለቲካ ማለት ረብሓ እዩ። ፅድቂ ወይ ፍቕሪ ኣይኾነን።
ሥለዙይ ንሕና ኸም ውዳበ ብሔረ ኣግኣዚ- ውብኣ ናትና ሥልጣነ ግእዝ/ኣኽሡም ኽለዓል፣ ናይ ረብሓይ ረብሓኻ ፖለቲካ ኽትግበር እንተኾይኑ፣ ብሓፈሻ ትንሣኤና ኽረጋገፅ እንተኾይኑ ብዓሠብ ዘይኾነሥ ብኣዱሊሥ ምድረ ባሕሪ እዩ ዝብል መፅናዕታዊ መርትዖ ብምቕራብ ኣብ ቕኑዕን ህዝባውን መፍትሒ ፕሮግራም ዘለዎ ፓርቲ ተወዲብና ንቃለሥ ኸም ዘለና ዝፍለጥ እዩ።
ኣኽሡም ምሥ ኣዱሊሥ ምርኻብ እናተኽኣለ ንምንታይ ዓሠብ ጥራሕ ዝብል ዝንቡዕ ኣጀንዳ ሒዞም ንህወሓት-ህግደፍ ክሥዕሩ ይሓልሙ ኸም ዘለው እውን ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ኣቦና ንጉሥ ነገሥት ሃፀይ ዮውሃንሥ 4ይ እውን ንዓሠብ ዘይኾነሥ ንኣዱሊሥ እዮም ምሥ ግብፂ፣ ጥልያን ፣ ቱርኪ ተዋዲቖምን ሥዒሮምን።
ገለገለ ሠባት ብፍላይ ካብ ህወሓት ተገንፂልና ዝብሉ ኸም ዓረና ትግራይ፣ ገብሩ ኣስራት ፣ ጌታቸው ረዳን ጀኔራል ፃድቃንን ማለትም ናይ ላቲናዊት ዓባይ ኦሮም ደገፍቲ ድማ የለን ብዓሠብ እምበር ብኣዱሊሥ ኣይኸውንን ፣ ኸም በርሊን መንደቕ ኽንደቕ ኣለዎ፣ ዶብ ክሕንፀፅ ኣለዎ፣ ኣዱሊሥ እንድሕር ንብል ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ ተጠቃማይ ክኸውን እዩ ወዘተ ይብሉና ኣለው።
ኣነ ኸም ውዳበ ብሔረ ኣግኣዚ ውብኣ ኣመራርሓ እዙይ ፍፁም ረብሓ ዘይብሉ ፣ ተግባራዊ ክኸውን ዘይኽእል ናይ ሕሶት ፅውፅዋይ/ፕሮፓጋንዳ እዩ በሃላይ እየ። ኸመይ ሢ እታ ዓባይ ኦም ናትና ኣይኾነትን ኣይትምልከተናን እታ እብታ ዓባይ ኦም ዘላ ሓንቲ ፍረ ግን ናትና እያ እናበልካ ኸም ምጭብርባር እዩ።
ንሥኹም ኸ እንታይ ትብሉ ?

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top