ኣገዳሲ ነጥቢ
==========
ኣብዛ ብፀላእቲ ህዝብን ምድርን ግእዝ ዝተኸለለት ዕፅውትን ጭላቖን ክልል ትግራይ ብዘይካ ውብኣ ካልእ ንህወሓት ብዕሊ ዝቋወማ ውዳበ ፖለቲካ የለን። ተቋዋሚ መሲሉ ዝዕጅባ ግን ብዙሕ እዩ። ንኽልል ትግራይ ዝጠቅም ፖለቲካዊ ፌሬምዎርክ (ፖሊስን ፕሮግራምን) ብምቕራፅ ካብቲ ብህወሓት ዝተፈጠረ ዕፅዋን ክባን ዘውፅእ፣ ናብቲ ንቡርን ምዕሩይን ብሔራዊ ረብሓን ህልውናን ዝመልስ፣ ማእኸል ቑጠባን ዲፕሎማስን ዝገብር፣ ምስ ናይ ልዕሊ 5000 ዓመት ታሪኽን ስርዓተ ክብርን ህዝብናን ዓድናን ዝቃደው (ዝሳነ) ፖለቲካ ቐሪፁ ንህወሓት ከም ቐንዲ ፀላኢትን ጀኖሳይደርን ገይሩ ዝቃለስ ዘሎ እቱ ቕኑዕን ህዝባውን ናይ ትውልዲ ዕላመ ዝተሓንገጠ ውብኣ ጥራሕ እዩ። ካልኦት ግን ንቱ ናይ ህወሓት ሕገ መንግስቲ፣ ናይ ህወሓት ዕፅው ጭላቖ ካርታ፣ ናይ ህወሓት ቻይና ቐይሕ መይሕ ባንዴራ፣ ናይ ህወሓት ላዕላውነት ኤርትራ ባሕሪ ኣይምልከተናን፣ ግእዝ ናይ ሃፀያትን መሳፍንትን ብላቲን ክትካእ ኣለዎ ዝብል መስርሕ ህወሓት፣ ኦሮሞ ስትራቴጂካዊ መሓዛና ኤርትራን ኣምሓራን ግን ፀላእትና ዝብል መስመር ህወሓት ዝኽተላ ብህወሓት ዝምወላን ዝተጫጭሓን ምዃነን ምርዳእ ዘፀግም ኣይኮነን። ቐንዲ ዕንቅፋት ናይ ህዝብና ድማ ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነትንስ ብህወሓት ዝተጫጭሓ ናይ ይምሰል ተቋወምትን ዓጀብትን ህወሓት ብምብዛሐን እዩ። ካብዙይ ቕሩብ ፍልይ ዝበለ ናብ ውብኣ ዘልዕሎም ሓሳባት ዝቀራረብ ዘሎ @ትንታግ ወለዶ ዝብል ምንቅስቓስ መናእሰይ ጥራሕ እዩ። ክንሕግዞ ድማ ናይ ግድን ይኸውን።
ትርጉም ትንታግ ወለዶ ትግራይ :-
===============—




ዕላማታት ትንታግ ወለዶ ትግራይ:-
======================
1)ናይ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ረብሓታት ብሰለማዊ ቃልሲ ክረጋገፅ ምስራሕ
2)ካብ ውሽጢ ይምፃእ ካብ ደገ ጭቆና ዘይምቅባል
3)ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ዝከፈሎ ክባር መስዋዕትነት ኣብ ጫፍ ምብፃሕ
4)ድሕረትን ድንቁርናን ካብ ትግራይ ምውጋድ
5)ወለዶኣዊ ሕቶታት ብወለዶ ክመለሱ ምግባር
6)መሰረታዊ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ዘየኽብር ብትሪ ምቅላስ
7)ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሓንሸሸ ስርዓት ብሕጊ ክሕተት ምቅላስ
8)ህዝቢ ትግራይ ብፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያዊ፣ማሕበራዊ፣ሰለማዊን ርክባቱ ምስ ክልላትን ጎረባብቲ ሃገራትን ስጡም ርክብ ክህልዎ ምግባር
9)ባህግታት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ሰላም፣ልምዓት፣ዲሞክራሲን ፍትሕን ኣብ ትግራይ ክሰፍኑ ምግባር
10)ኣንፃር ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝኮኑ ሓይልታት ብሰላማዊ መንገዲ ኣትሪርኻ ምቅላስ።

1)ቆፃል:-እዚ ሕብሪ ትርጉሙ ህዝብና ብልምዓትን ንምድባስ ንምምልካት
2)ፃዕዳ:-ድሌት ህዝብና ሰላም ምኳኑን ምስ ዝኮነ ህዝቢ ድማ ብሰላም ከምዝነብር ንምምልካት
3)ሓወልቲ ኣክሱም ብመናእሰይ እናተላዐለ:ትንሳኤ ተጋሩ ብሓዱሽ ወለዶ ከምዝብሰር
4)ሰማያዊ:-ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ቀይሕ ባሕሪ ምኳኑ እዮም።
“ካብ ደገ ይምፃእ ካብ ውሽጢ ጭቆና ጭቆና እዩተቓለስ/ሲ! Oppression is oppression, whether it comes from outside or from within, fight it! “



