ደቀኣባት ሰብዋናታት (Nationalists) versus ዜጋታት (Citizenship) ኣብ ምድርን ህዝብን ግእዝ (ብሔረ ኣግዓዚ)
ናይዘን ሕዚ ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ ዝብሃላ ዘለዋ ካርታታት ሰብ ዋናታት (ደቀኣባት) Indigenous owners ንሕና ደቂ ግእዝ (ብሔረ ኣግዓዚ) ምዃና ዘጠራጥር ነገር የለን።ካልኦት ከም ዜጋ (Citizenship) ተዋሂቡዎም ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ዝተሓለወ እዩ። ይኹን እምበር ልክዕ ከም ደቂ ግእዝ ኣብታ መበቆላዊት ዓድና ናይ ምውሳን ማዕረ ስልጣን ክህልዎም ፍትሓዊ ኣይኮነን። ከመይሲ ሓደ ኤርትራዊ ወይ ድማ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጀርመን ዜግነት (citizenship) ስለዝረኸበ ልክዕ ከምቶም ደቀኣባት ጀርመናዊያን ማዕረ ስልጣን ይህልዎ ማለት ኣይኮነን። እዙይ ማለት እቶም ደቀኣባት (Nationalist) ጥራሕ እዮም ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎም። ስለዙይ ኣብ ኤርትራ ተዳቒሉ ካብ ናይጄርያ ዝተፈጠረ ሃውሳ ወይ ድማ ኣብ ዓድዋ ዝተዳቐለ ወዲ ሰበነ ልክዕ ከም ደቂ ኣባት (Nationalist) ግእዝ ማዕረ ናይ ምውሳን ስልጣን ክህልዎ ምፍቃድ ዘይንቡርን ዘይምዕሩይን ይኸውን።
ስለዙይ ድሕሪ መቓብር ክልተ ሸፋቱ ባንዳታት ፀረ ምድርን ህዝብን ግእዝ (ብሔረ ኣግዓዚ) ዝኾኑ ህግደፍን ህወሓትን ሃገረ ብሔረ ኣግዓዚ ምስ ቐይሕ ባሕራ ብፊደራላዊ ስርዓት ትምሓደር ክትከውን ከላ እዘን ዝስዕባ ምምሕዳራዊ መንግስታት /ባይቶታት ክህልውኣ እየን። እዙይ ማለት ዘይንቡር ኣፀዋውዓ ደቡብ፣ ምብራቕ፣ ምዕራብ፣ ሰሜን ዝብሃሉ ፀረ ብሔረ ኣግዓዚ (against each local particularities & special interests) ይስረዙ እሞ ብንቡርን ምዕሩይን ኣፀዋውዓ ምድርን ህዝብን ግእዝ (ብሔረ ኣግዓዚ) ይትክኡ ኣለው ማለት እዩ።
1) መንግስቲ ዓጋመ /State of Agame
2) መንግስቲ ኣካለጉዛይ/State of Akaleguzay
3) መንግስቲ ቴምቤን/State of Tembien
4) መንግስቲ እንደርታ /State of Enderta
5) መንግስቲ ስራየ/State of Siraye
6) መንግስቲ ራያ ዓዘቦ ሰብኣማዕበል /State of Raya
7) መንግስቲ ሽረ /State of Shire
8. መንግስቲ ኣክሱም /State of Aksum
9. መንግስቲ ዓድዋ /State of Adwa
10. መንግስቲ ሓማሴን /State of Hamassien
11. መንግስቲ ወልቃይት/ጎንደር -State of Welquait-Gonder
12. መንግስቲ ሽዋ /State of Shewa
13. መንግስቲ ወሎ ቤተ አምሓራ State of Bete-Amhara
14. መንግስቲ ጉራጌ /State of Gurage
15. መንግስቲ ዘይ (ዝዋይ) State of Zey (Zuway)
16. መንግስቲ ጋሞ ጎፋ ኣርባምንጭ /State of Gamo
17.መንግስቲ ሃረር /State of Harer
ወዘተ እናበለ እናሓቖፈን እናሰፍሐን ዝቕፅል ክሳብ 30 መንግስታት ዘለዋ ሃገረ ኣግዓዚት ምስ ቐይሕ ባሕራ ናብ ንቡር ክትምለስ ግድን እዩ።
ሃገር ማለት ብሄር ማለት እዩ። ሃገርናን መንነትናን ድማ ብሄረ ኣግዓዚ እዩ። እዚ ናይ መንግስትነት/ባይቶ ምሕደራ እምበር ኣብ ውሽጢ ሃገረ ብሄረ ኣግዓዚ 17+ መንነት/ብሄር ኣሎ ማለት ከም ዘይኮነ ክስመረሉ ይግባእ። ልክዕ ከምዚ ናይ ኣሜሪካ ኣፀዋውዓ State of New York, State of Minnosota, State of Colorado , State of California ወዘተ ናይ ቦታታት ምሕደራዊ /ባይቶኣዊ መፀውዒ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። State ማለት ምሕድራ እዩ እምበር ብሄር /ሃገር ማለት ኣይኮነን። ኣብ ኣሜሪካ 50 state ኣለዋ ማለት 50 ብሄር ኣብ ኣሜሪካ ኣሎ ማለት ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።
ሕድሕድ መንግስቲ ነፃን ባዕሉ ዝኸኣለን ሓፋሽ ህዝቢ ባይቶ ብምምራፅ ክመሓደር እዩ። መሰል ዓርሰ ምሕድራ (self governance) ክኽበር እዩ። ህዝቢ ዘይመረፆ በዓል ስልጣን፣ ሽሞኛ ወይ ድማ ተወካሊ ኣይክህሉን። ቐጥታዊ (Direct & Pure Democracy) ብምኽታል ህዝቢ እዘን 17+ መንግስታት ናይ ፊደራልን ናይ ብሕተንን ባይቶኣውን ላዕላዊ ስልጣን ክህልወን ክግበር እዩ።
ትንሳኤ ብሔረ ኣግዓዚ ምስ ቐይሕ ባሕራ ብውብኣ ይረጋገፅ!!
ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ድሕረ ገፅ ውብኣ :- www.anu-party.org




ዘይመስልን ዘይራኸብን ነጥቢ እዩ እዚ ኣምሓራን ፣ኣገው ፣ቅማንት ሴም ኣይኮኑን ኣብ ስልጣነና ውን ኣይነበሩን።