ደቂ ማሌሊት ህወሓት ዝዕንድርሉ ዘለው ህዝቢ
ሓንቲ ባኒ ዝሰኣነት ክቡር ነብሳ ሸይጣ ትበልዕን ብወርሒ 35 000 000$ (6.4 ሚልዮን ብር) ትበልዕን ትግራወይቲ ኸመይ ማዕረ ሓድነት ትግራይ እናበላ ክዝምራ ይኽእላ ? ከመይ እታ ሓንቲ ኣሜሪካ ኣብ ገነት ትነብር፣ እታ ሓንቲ ብሽርሕን ጉርሕን መስዋእቲ ኣቦኣ ዝሰኣነት ኣብ ረመፅ ትግራይ ትነብር ማዕረ ናይ ህወሓት ማሌሊት ደገፍቲ ክበሃላ ? እቱ እግሩን ዓይኑን ዝሰኣነ መሐከሚ ዘይብሉ TDF ምስ እዛ ናይ ህወሓት ማሌሊት ገዛእቲ ደርቢ ጓል እንትነፃፀር እንታይ ይኸውን ? ንዙይ ትሕት ኢለ ክምለሶ እየ።
ህዝቢ ትግራይ ብምዕሩይን ንቡርን ሽም ህዝቢ ሓበሻ ብሔረ ኣግዓዚ ብሰንኪ ማፍያ ጉጅለ ሙሉቕባሽን ሽምባሽን ጥልያን ቤተሰብ ነጋ (ማሌሊት ህወሓት) ከምዚ ምሒር እናተገፈፈ፥ እናተገረፈ፣ እናጸነተ፥ ናብ ሳሕልን ሳዋን ፣ ናብ ሱዳን ወዘተ እናተሸጠ፣ ብሕድሕድ ኩናት እናነደደ፣ ብጥሜት እናተለሓገ፣ እናተዋረደ፥ ብስእነት መድሓኒት እናረገፈ፣ ነብሱ ሸይጡ ክሳብ ዝሓድር ኣብ ጸገም ጥሒሉ፣ ብ50 ዶላር ሂወቱ እናሸጠ፥ ፈቆዶ ሊብያን የመንን ጥራሕ ዝባኑ እናተገረፈ፥ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ብልመና እናተመሓደረ ፣ ደቂ ኣነስትዮኡ ማንም ሽፍታን ጋላን እናተፃወተለን፣ መረበተን ርስቱን እናተመንጠለ ወዘተ ብኸመይ ንህወሓት ማሌሊት ደርብዩ ኣብቲ ቕኑዕ፣ ህዝባውን ሓቃውን ውዳበ ብሔረ ኣግዓዚ ውብኣ ዘይውደብን ክብሩን ህልውናኡን ዘየውሕስን ?

ልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ሕድሕድ ኲናት፣ ኣብ ሕስረት፣ ውርደት፣ ጥምየት፣ ስደት፣ ፍልሰትን ፅንተትን ክጥሕል ዝገበሮ ጉጅለ ሙሉቕባሽን ሹምባሽን ነጋ ማሌሊት ህወሓት ምስ ጨንፈራቱ ጉሑፉ ከም ህዝቢ ቐፃልነቱ ዘየውሕስ ንምንታይ ? እቶም ዝቐትሉዎ ዘለው ፣ ዘጥምይዎ ዘለው፣ ዘፅንቱ ዘለው ብሓባር ዘይቃለሶም ንምንታይ ፅግዕተኛ ይኸውን ? ንብረት ህዝቢ ዝኾኑ ንጥረነገራት ከም ወርቂ፣ ስሚንቶ፣ እምነበረድ ወዘተ ዝጉሕጉሕ ዘሎ ጉጅለ ማሌሊት ንኹሎም ገዛእቲ ደርቢ ምስ ናይ ቐረባን ርሑቕን ስድራኦም ሓያሎ ገንዘብ ይዕድሎም እዩ። ዝኾነ ወዲ /ጔል ጀኔራል ህወሓት ማሌሊት ሚልዮናት ገንዘብ በብወርሒ ይኽፈሎ/ላ ፣ ካበይ ዝብል እንተሎ ካብ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ብትምእት ማለት እዩ።
ንአብነት ንምፅራሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ዩቱበር ኣብ ጎደናታት ከተማ ኒዩዮርክ (ኒውዮርክ) ኣሜሪካ ንሰባት ቃለ መሕትት ይገብር ነይሩ። ካብቶም ዝሓተቶም ሰባት ሓንቲ ኣቓልቦ ኢትዮጵያውያን ዝሰሓበት እዛ ኣብ ስእሊ እንርእያ ዘለና መንእሰይ ጓል ገዛኢ ደርቢ ማሌሊት ህወሓት ቐረባ ዘመድ ርስሓት ነጋ እያ። እዛ ቪኪ እትበሃል ጓለንስተይቲ፡ ትግራይ ኢትዮጵያዊት ምዃና ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ኣሜሪካ ክልተ ዓመት ጥራሕ ከም ዝገበረት ሓቢራቶ።
ሓታቲ ኣብ ወርሒ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም እተጥፍእ ምስ ሓተታ፡ ዘገርም መልሲ እያ ሂባቶ። ኣብ ወርሒ ካብ 35 ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ከም እተውጽእ ምስ ገለጸትሉ፡ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሕ ሓተታ። “ስራሕ ዝበሃል የብለይን” ኢላ መሊሳትሉ። እቱ ገንዘብ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብሔረ ኣግዓዚ ኾይኑ ብትእምት ዝዕደል ምዃኑ ኣባል መርበብን ሓበሬታን ስለላን ውዳበ ብሔረ ኣግዓዚ Geez Intelligence Agency GIA ንታ ጓል ብምክትታል ዝረኸቦ ሓበሬታ የረጋግፅ። በዚ ሎሚ ዘሎ ሸርፊ፡ 40 ሽሕ ዶላር ማለት ልዕሊ 6.4 ሚልዮን ብር ኢትዮጵያ ምዃኑ እዩ። ስራሕ ከይረኸበት ወርሓዊ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ከመይ ገይራ ተባኽን ዝብል ሕቶ ነቲ ሓታትን ተዓዘብትን ዘዐዘመን ዘገረመን እዩ ነይሩ።

ንዙይ ብምክትታል ምስጢራ ክፍለጥ ዝገበረ ኦፊሰር GIA ምስጋና እናቕረብና እዛ መንእሰይ ጓል ኣቶ ዘሱ ወልደጊዮርጊስ (ሓው ንኢሳያስ ዉልደጅወርግስ፣ ማለት እውን ወዲ ሓፍቲ ንስብሓት ነጋ ሓላፊ ስለላን ናይ ኤርትራዊያን መሸጣን) ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ኣታዊታት ኢትዮጵያ ነበር ምዃና ተፈሊጡ። ሕዚ ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ቍጥዓኦምን ምግራሞምን ይገልጹ ኣለዉ።
ተራ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ወላ ንመሰረታዊ ናብራ ገንዘብ እናሰኣኑን ናብራ ከቢሩ ብዙሓት ኣብ ጭንቀት እናነበሩን፡ ደቂ ሓለፍቲ ህወሓት ማሌሊት ከኣ በሽበሽ እናበሉ ኣስተርሕዮም ክነብሩ እንከለዉ፡ ኣየ ኣዶ ትግራይ ብሔረ ኣግዓዚ እዩ ዘብል። ኣብዛ ትግራይ ግና፡ እዞም ሰበስልጣን ዝበሃሉ ኵሎም ድዮም ስሱዓትን ንህዝቢ ቅንጣብ እትዀውን ድንጋጸ ዘይብሎምን::
ገለ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነት፡ ብልሽውና ሳዕሪሩ ከም ዘሎን ሓለፍቲ ገንዘብ ህዝቢ ብዘይግቡእ ይዘርውዎ ከም ዘለዎን ዘርእይ እዩ ይብሉ ። ህዝቢ ኣብ ትካላት መንግስቲ ዘለዎ እምነት ክጎድእ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባ ምንጪ ሃብቲ ሰበስልጣን ስድርኦምን መርመራ ከካይዱ ኣባላትን ደገፍትን ውብኣ ንፅውዕ ኣለና።
Geez Intelligence Agency-GIA


